Home ዜና ምፅራይ ዘይሕጋዊ ሰነድ

ምፅራይ ዘይሕጋዊ ሰነድ

522

ምፅራይ ዘይሕጋዊ ሰነድ

ኣብ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ምስ ዉራ መሬትን ተዛመድቲ ጉዳያትን ተኣሳሲሩ ብዝተገበረ ምፅራይ 649 ዘይሕጋውያን ሰነዳት ተረኺቦም።ኣብ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ምስ ዉራ መሬትን ተዛመድቲ ጉዳያትን ተኣሳሲሮም ንዝላዓሉ ፀገማት ንምፍታሕ ዓሊሙ ኮምቴ ምፅራይ ኦዲት መሬት ብምጥያሽ ብዝተገበረ ምፅራይ ካብ 8144 መዛግብቲ እቶም 649 ዘይሕጋውያን ከም ዝኾኑ ኣማሓዳሪ እታ ክፍለ ከተማ ኣይተ መንበረ ንጉስ ገሊፁ።

እቶም ዘይሕጋውያን መዛግብቲ መሬት ናብ ሕጊ ቀሪቦም ምፅራይ ክሳብ ዝግበረሎም ከም ዝተዓሸጉን ኣካላት ፀጥታ ክርከብዎ ከም ዝተገበረ እዉን ተሓቢሩ።

#ህይወት ብርሃነ