Home ዜና ምፅፋፍ ምሕደራ መሬት መቐለ

ምፅፋፍ ምሕደራ መሬት መቐለ

496

ምፅፋፍ ምሕደራ መሬት መቐለ

ኣብ ከተማ መቐለ ልዕሊ 120 ሽሕ ጉዳያት መሬት ኣብ ምጽፋፍ ከምዝርከቡ ምክትል ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ኤልያስ ካሕሳይ ገሊፆም።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጄኖሳይዳዊ ወራር ካብ ዝፍፀም ንነዘ ኣብ ትግራይ ግልጋሎት ምሕደራ መሬት ከምዘይነበረ ይፍለጥ። ገለገለ ውልቀ ሰባት ግና ካብ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ወጻእ መሬት ክሸጡን ክልወጡን ተራእዮም ኢዮም።

እቶም ኣብ እዋን ጄኖሳይዳዊ ወራር ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸሙ መሸጣን ላውጣን መሬት ሕጋውነት ከምዘይብሎም ድማ ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ኤልያስ ካሕሳይ ኣዘኻኺሮም። ኣብ ከተማ መቐለ ልዕሊ 120 ሽሕ ጉዳያት መሬት ኣብ ምፅፋፍ ከምዝርከቡ እውን እቶም ምክትል ከንቲባ ገሊፆም።

ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር መሬት ክፍለ ከተማ ኵሓ ብወገኑ ፥ ልዕሊ 8 ሽሕ መዛግብቱ ድሕሪ ምፅፋፍ ስሩዕ ግልጋሎት ምሕደራ መሬት ንምጅማር ምድላዋቱ ከምዝወገነ ኣማሓዳሪ እቲ ክፍለ ከተማ ኣይተ ሃፍቶም ወሬታ ኣረጋጊፆም።

ኣብቲ ከይዲ ምፅፋፍ 148 ዘይሕጋውያን ሰብ መዛግብቲ ዝተረኸቡ ኮይኖም ናብ ሕጊ ከም ዘምርሖም እውን ኣይተ ሃፍቶም ገሊፆም።

ብኤፍሬም ረደሀይ