Home ዜና ሞትን ዓፀቦን ወረዳ ሰሓርቲ

ሞትን ዓፀቦን ወረዳ ሰሓርቲ

546

ሞትን ዓፀቦን ወረዳ ሰሓርቲ

ንሞት ከፍ ኢልና ንፅበዮ ኣለና ሓግዙና እንዶ –ነባሪት ከተማ ግጀት ወይዘሮ ለተአባይ ኣብ ወረደ ሰሓርቲ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ 55 ህፃውንቲ ዝርከብዎም 158 ወገናት ብሰንኪ ሕፅረት ምግብን መድሓኒትን ከምዝሞቱ ቤት ፅሕፈት ሓደጋን ቅድመ መጠንቀቅታን እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

ነባሪት ወረዳ ሰሓርቲ ከተማ ግጀት ዝኾና ወይዘሮ ለተአባይ ቅድሚ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ሓሪሰ አደፋሪሰ ባዕለይ ይኽእል ነይረ ሕዚ ግና ብሰንኪ እቲ ዝተፈጠረ ኩናትን ሰብኣዊ ሓገዝ ምቁራፁን ዝበልዖ ስኢነ ንጥሜትን ሕማምን ተቓሊዐ ንሞት ከፍ ኢለ ይፅበዮ ኣለኹ ይብላ።

ኣብታ ወረዳ ኣብ ኣፍ ሞት ዘሎ ህዝቢ ብኣሸሓት ዝቑፀር ነባሪ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥሜትን ሞትን ከምዘሎን ዛጊድ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ 55 ህፃናት ዝርከብዎም 158 ወገናት ብሰንኪ ሕፅረት ምግብን መድሓኒትን ከምዝሞቱ ሓላፊ ሓደጋን ቅድመ መጠንቀቅታን እታ ወረዳ ኣይተ ኢብራሂም በሽር ገሊፆም።

ገበርተ ሰናይ መንግስቲ ፌደራልን ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይን ብሓባር ነቲ ዘሎ ፀገም ተገንዚቦም ህፁፅ ሓገዝ መድሕን ሂወት ከቕርቡ ከምዝግባእ እንተደኣ ህፁፅ መፍትሒ እንተይዘተቐሚጥሉ ግና እቲ ሓደጋ ክዛይድ ከምዝኽእሐ ኣይተ ኢብራሂም ኣተሓሳሲቦም።

#ጎይትኦም ተከስተ