Home ዜና ሞት ህፃናትን ኣደታትን ወረዳ ሰሓርቲ

ሞት ህፃናትን ኣደታትን ወረዳ ሰሓርቲ

564

ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ብሕፅረት ምግቢ፣ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ዒስራን ሰለስተን ህፃናትን ሸሞንተ ኣደታትን ከምዝሞቱ ዳይሬክተር ጣብያ ጥዕና ግጀት ኣፍሊጡ።ኣብቲ ጣብያ ጥዕና ግልጋሎት ሕክምና ክረኽቡ ተሰፋ ጌሮም መፂኦም ዝረኸብናዮም ተሓካሚ ሕዱር ሕማም ሽኮር መሓመድ ሓዱሽን ግዳይ ኻሊእ ሕማም ዝኾና እምሆይ ትብለፅ ገብረኣምላኽን ፤ ተመርሚሮም ዝተኣዘዘሎም መድሓኒ ክረኽቡ ከምዘይኸኣሉ ገሊፆም።

ነዞም መድሓኒት ዝሰኣኑ ተሓከምቲ ሓዊሱ ናብ ጣብያ ጥዕና ግጀት ንዝመፁ ተሓከምቲ ኹሉ ዓይነት ፀገማት ተፃዊርና ክነገልግሎም እኳ እንተመርመርና፤ ዘድልዮም መድሓኒት ብምስኣና ምህላውና ትርጉም ዘይብሉ ኾይኑ ይስመዐና ዝበሉ ቴክኒሻን ፋርማሲ ገብረህይወት ገብረስላሴን ሲስተር ብርቱኳንን ፤ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ውን እንተኾነ ብሕፅረት መድሓኒት ብዙሓት ወገናት ከምዝሞቱን ብዓይኒ ሞያ ካብዚ ብላዕሊ ዘሐምም የለን ኢሎም።

ኣብቲ ከምሓደ መማእኸሊ መጥባሕቲ ክፍሊ እታ ወረዳ ኾይኑ ዘገልግል ዝነበረ ጣብያ ጥዕና ግጀት ቅድሚ እቲ ጆኖሳይዳዊ ኵናት ተቖፃፂሮምዎም ዝነበሩ ሕማማት ከምበሓዱሽ ብሰፊሑ ተጋፊሖም ከምዘለው ዝሓበረ ዳይሬክተር እቲ ጣብያ ጥዕና ሮምሃፅዮን ምትኩ፤ ነዚኦም ሕማማት ንምፍዋስ ድማ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ዳርጋ የለን ኢሉ። ብምኽንያት ስእነት ምግቢ፣ መድሓኒን ናውቲ ሕክምናን ድማ 23 ህፃናትን 8 ኣደታትን ከምዝሞቱ ኣፍሊጡ።

ነቶም መድሓኒት ስኢኖም ዝተመለሱ መሓመድ ሓዱሽን እምሆይ ትብለፅ ገብረኣምላኽን ሓዊሱ ኣብ ዝኸፈአ ፀገም ስእነት ናውቲ ሕክምናን መድሓኒትን ዝርከብ ህዝቢ ወረዳ ሰሓርቲ ካብቲ ፀገም ንክወፅእ ገበርቲ ሰናይ፣ መንግስታት ክልልን ፌደራልን ህፁፅ መፍትሒ ክገብሩሉ ድማ እቶም ማሕበረሰብ እቲ ጣብያ ጥዕና ፀዊዖም።

#ብሳሙኤል ገብረታትዮስ