Home ዜና ሞት እንስሳ ዘቤት

ሞት እንስሳ ዘቤት

1728

ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ዘካይዶ ዘሎ ዕፅዋን ክልከላን ስዒቡ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 30 ሽሕ እንስሳ ዘቤት ብስእነት ክታበትን ሕክምናን ከምዝሞታ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

በቢ ዓመቱ ንልዕሊ 20 ሚልዮን እንስሳ ዘቤት ግልጋሎት ሕክምናን ክታበትን ክወሃብ ከምዝፀንሐ ዘዘካከረ ቢሮ ሕርሻን ገፀር ልምዓትን ትግራይ ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ዘካይዶ ዘሎ ዕፅዋን ክልከላን ስዒቡ ግና ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 30 ሽሕ እንስሳ ዘቤት ብስእነት ክታበትን ሕክምናን ከምዝሞታን ልዕሊ 240 ሽሕ ድማ ኣብ ሓደጋ ሞት ከምዝርከባን ኣብቲ ቢሮ ዳይሬክተር ሓለዋ ጥዕና እንስሳት ዶ/ር ገብሩ ለገሰ ሓቢሮም፡፡

እዘን ሓሚመን ዘለዋ እንስሳ ከም መገረምን ዕቡድ ከልብን ዝኣመሰሉን ናብ ሰብ ክመሓላለፉ ዝኽእሉን ሕማማት የላብዶ ምህላዉ እውን ገሊፆም፡፡

ብዓለም ለኸ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ናብ ትግራይ ዝተልኣኸ ሓገዝ መድሓኒት እንስሳት ብፋሽስቲ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ከይሓልፉ ከምዝተከልከሉ ዝገለፁ ዶ/ር ገብሩ ለገሰ እዚ ድማ ጀኖሳይድ ትግራይ ንምግዳድ ዝዓለመ ምኳኑ የመላኽት ኢሎም፡፡ 

ብኤፍሬም ረደሀይ