Home ዜና ሞያዊ ስልጠና ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽን

ሞያዊ ስልጠና ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽን

477

ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን መሬት ወሲዶም ዘይሃነፁን ጀሚሮም ዘቋረፁን ሰብ ሃፍቲ ናብ ስራሕ ክኣትው ኣተሓሳሲቡ።

ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ትግራይ ኣብ ሓደሽትን ዝተመሓየሹን መምርሕታትን ኣሰራርሓታትን ኣመልኪቱ ንዝተፈላለዩ ኣተሓባበርትን ሰብ ሞያን ከተማታት ስልጠና ሂቡ።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ትግራይ ኣይተ ሃይላይ ትንስኡ ቀንዲ ዕላማ እቲ ስልጠና ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጄኖሳይዳዊ ኲናት ዝዓነዋ ከተማታት ከም ብሓድሽ ልምዓተን ከቀላጥፋ ኣተሓባበርትን ሰብ ሞያን እኹል ግንዛበ ሓደሽትን ዝተመሓየሹን መምርሕታትን ኣሰራርሓታትን እቲ ቤት ዕዮ ፈሊጦም ክትግብሩ ዝሕግዝ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ሰልጠንቲ ብወገኖም እቲ ስልጠና መሬት ወሲዶም ዘይሃነፁን ጀሚሮም ዘቋረፁን ሰብ ሃፍቲ ናብ ተግባር ዘእቱን ጉዳያት ጨረታን መሸጣ ስሚንቶን ግልፅን ፍትሓውን ክኸውን ዝሕግዝን ምዃኑ ተዛሪቦም።

ሚኪያስ ታፈረ