Home ዜና
678

ሞያዊ ብቅዓት መናእሰይ ንምርግጋፅ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣብ ዓውዲ ኣርክቴክቸር ሞያዊ ክእለት ዘለዎም መናእሰይ ገሊፆም፡፡

እዚ ዝተገለፀ ፊሬንድ ፍሬም ዝተበሃለ ትካል አባላት ሰራዊት ትግራይ ዝርከብዎም ብሞያ ኣርክቴክቸር ዘሰልጠኖም ልዕሊ 50 መናእሰይ ኣብ ዝተመረቕሉ እዋን እዩ፡፡

ፊሬንድስ ፍሬም ዝተበሃለ ትካል አባላት ሰራዊት ትግራይ ዝርከብዎም ብሞያ ኣርክቴክቸር ንሰለስተ ኣዋርሕ ዘሰልጠኖም ልዕሊ 52 መናእሰይ ኣብ ከተማ መቐለ አመርቑ፡፡

ሞያ ኣርክቴክቸር ንሰለስተ ኣዋርሕ ብክልስ ሓሳብን ብተግባርን ከምዝሰልጠኑ ዝገለፁ እቶም ተመረቕቲ መናእሰይ እቲ ሞያ ክእለት ካብ ምርካብ ብተወሳኺ ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣብ ኣርክቴክቸር ዝወሃቡ ዘለው ስልጠናታት ንምዕቃብ ጥንታዊ ስልጣነን ባህሊን ትግራይ ዝዓለመ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ኣካያዲ ስራሕ ትካል ፍሬንድ ፍሬም መንእሰይ ሶፎኒያ ገ/መድህን እቲ ሞያዊ ስልጠና ኣብ ምርግጋፅ ዳግመ ሕውየት ትግራይ እውን ናይ ባዕሉ እጃም ከምዘለዎ ተዛሪቡ፡፡

ሞያ ኣርክቴክቸር ኣብ ዓውዲ ስነ-ህንፃን ኮንስትራክሽንን ዝዓዘዘ ግደ ከምዘለዎ ዝገለፁ ኣብ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ትግራይ ዳሬክተር ዳሬክቶሬት ዲዛይን ኮንስትራክሽን ኣይተ ኣለም ኣያሌው ፈጠራዊ ክእለት መናእሰይ ንሕውየት ትግራይ ወሳኒ እዩ ኢሎም፡፡

ትካል ፌሬንድ ፍሬም ውሽጣው ንድፊ ባህላዊ ገዛታት ትግራይ ባህሊን መንነትን ትግራይ ብዝዕቅብ ኣገባብ ብዘመናዊ ኣገባብ ንምምዕባል ብትኹረት ዝሰርሕ ዘሎ ትካል ከምዝኾነ ድማ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ፡፡

ብታደለ ዳኘው