Home ዜና ሪፈራል ሆስፒታል ሰራዊት ትግራይ ልዕሊ ሽድሽተ ሚኢቲ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ብምስንባት ናብ...

ሪፈራል ሆስፒታል ሰራዊት ትግራይ ልዕሊ ሽድሽተ ሚኢቲ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ብምስንባት ናብ ቤተሰቦም ክምለሱ ገይሩ።

555

 ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝተቐመጠ ኣሰራርሓ ሪፈራል ሆስፒታል ሰራዊት ትግራይ ልዕሊ ሽድሽተ ሚኢቲ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ብምስንባት ናብ ቤተሰቦም ክምለሱ ገይሩ፡፡

እቲ ሪፈራል ሆስፒታል እቶም ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ናብ ቤተሰቡ ክምለሱ ዝተገበረሉ ቀንዲ ምኽንያት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ንምፍፃም ካብ ዘለዎ ቆራፅነት ዝብገስ እዩ ኡሉ፡፡

እቲ ሐዚ ዝግበር ዘሎ ምስንባት ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ንፈለማ እዋን ዝሳለጥ ዘሎ ኮይኑ በቢዙሩ ቀፃላይ ከምዝኾነ ሓላፊ ማእኸል ኣብያተ ጥዕና ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ካሕሳይ ኣብረሃ ወዲ ገተራይ ሓቢሩ፡፡

እቲ ሪፈራል ሆስፒታል እቶም ነበር ሰራዊት ምስ ሕብረተሰቦም ኮይኖም ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ግቡኦም ክፍፅሙ ፀዊዑ ።

ብኣሸናፊ ዳርጌ