Home ዜና ማሕበር ተጋሩ ደቡብ ኣፍሪካ ልዕሊ 3 ነጥቢ 2 ሚልዮን ብር ዝግመት ናውቲ...

ማሕበር ተጋሩ ደቡብ ኣፍሪካ ልዕሊ 3 ነጥቢ 2 ሚልዮን ብር ዝግመት ናውቲ ሕክምና መጥባሕቲ ንሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ለጊሶም።

579

ማሕበር ተጋሩ ደቡብ ኣፍሪካ ልዕሊ 3 ነጥቢ 2 ሚልዮን ብር ዝግመት ናውቲ ሕክምና መጥባሕቲ ንሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ለጊሶም።

ሓገዝ ዝተረከበ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ንሰናይ ተግባር እቶም ዲያስፖራ ዘመስገነ ኮይኑ ካልኦት ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን ፃውዒት እቲ ሆስፒታል ተቐቢሎም እጃሞም ከበርክቱ ፀዊዑ። ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ቀረብ ዝተፈላለዩ ናውቲ ሕክምና ስለ ዘጋጠሞ ንተጋሩን ደገፍቲ ትግራይን ፃዊዒት ሓገዝ እንናቕረበ መፂኡ እዩ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝነብሩ ተጋሩ ዲያስፖራ ድማ ፃዊዒት እቲ ሆስፒታል ቅቡል ገይሮም ዝተፈላለዩ ናውቲ ሕክምና መጥባሕቲ ዝሓገዙ ኮይኖም ንሰናይ ተግባር እዞም ግዱሳት ተጋሩ ነመስግን ክብሉ ኣብቲ ሆስፒታል ዳይሬክተር ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ዶክተር ክብሮም ገብረስላሰ ገሊፆም።

እቲ ዝተገበረ ሓገዝ 3 ነጥቢ 2 ሚልየን ብር ከም ዝግመትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዕድጊት ከም ዝተፈፀመን ዝሓበሩ ዶክተር ክብሮም እቲ ዝተለገሰሎም ሓገዝ መሰረታዊ ፀገማት ክፍሊ መጥባሕቲ ኣብ ምቅላል እጃም ከም ዝህልዎን ንሰናይ ተግባር ዲያስፖራ ተጋሩ ነበርቲ ደቡብ ኣፍሪካ ካልኦት ተጋሩን ደገፍቲ ትግራይን ክስዕብዎ ፀዊዖም።

ተወካሊ ዲያስፖራ ተጋሩ ነበርቲ ደቡብ ኣፍሪካ ኣይተ ሚካኤለ ብርሃነ ንፃዊዒት ሓገዝ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዝተቐበሉ ዲያስፖራ ተጋሩ ነበርቲ ደቡብ ኣፍሪካ 3 ነጥቢ 2 ሚልዮን ብር ብምትእኽኻብ ዘመናዎት ናውቲ ሕክምና መጥባሕቲ ዓዲጎም ከረክቡ ከም ዝኽኣሉ ኣረዲኦም።

ማሕበር ዲያስፖራ ተጋሩ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ቅድሚ ሕዚ እውን መንግስቲ ትግራይ ዘቕረበሎም ፃዊዒት መኸተ ተቐቢሎም ልዕሊ 31ሚልየን ቅርሺ ብመንገዲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣቢሎም ከምዘብፀሑ ገሊፆም። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝርከቡ ተጋሩ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ወራርን ጀኖሳይዳዊ ኲናት ኣብ ኣደባባይ ወፅዮም ብምኹናን ድምፂ ህዝቦም ኮይኖም ከም ዝተቓለሱን ሐዚ እውን ብዝተወደበ መንገዲ ኣብ ጥዕና፣ትምህርትን ካልኦት ጠለባት ህዝብን መንግስትን ትግራይ መሰረት እናገበሩ ተበግሶታቶም ኣጠናኺሮም ከም ዝቕፅል ኣይተ ሚከኤለ ብርሃነ ወሲኾም ኣዘኻኺሮም።

#ብሕሉፍ ካሕካይ