Home ዜና ‘’ራየታይ ፀገም ኮነ ሕቶ መንነት ዘይብሉ ክብሩን መንነቱን ኣሕሊፉ ዘይህብን ሂቡ ዘይፈልጥን...

‘’ራየታይ ፀገም ኮነ ሕቶ መንነት ዘይብሉ ክብሩን መንነቱን ኣሕሊፉ ዘይህብን ሂቡ ዘይፈልጥን ክቡር ህዝቢ ዩ’’መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቕረቡ ምሁራት

243

ብምትሕብባር ዓለምለኸ ማሕበር ልምዓት ራያ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ትግራይን ከተማ ማይጨውን በዓል ጥምቀት ምኽንያት ብምግባር ሓሙስ 9 ጥሪ 2016 ኣብ ህዝባዊ ኣዳራሽ ከተማ ማይጨው ኣብ ዝተሳለጠ ዋዕላ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ብምሁራት ቀሪቦም::ኣብቲ እዋን

1 ”ፀጋታት ራያን ረብሕኦምን ድመን ድመዓዚ ?”

ራየታይ መን ዩ ?

2 ሃፍቲ እንዳሃለየና ንምንታይ ንጠሚ ?

“ኣብ ልዕሊ ማይ ሃሪሱ ድጠሚ ማሕበረሰብ”

3 ምዕባለ ቱሪዝም ዞባ ደቡብ

4 ኣቦ ገረብ

ዝብሉ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ብኢንጅነር ጌታቸው ከላሊ :ዶክተር ሙለታ ይርጋ : መምህር መናሰቦ ሓድሽን ካሕሳይ ግደይ (ደርዕም) ዝቀረቡ እንትኾኑ ዶክተር ከላሊ ኣድሃና ከይዲ እቲ ምቅራብ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ኣተሓባቢሮምዎ ።

ብመሰረት እዚ ራየታይ ናይ መንነት ፀገም ይኹን ሕቶ ዘይብሉ መንነቱን ክብሩን ኣሕሊፉ ዘይህብን ሂቡ ዘይፈልጥን ምእንተ ዓዱ ክቡር መስዋእትነት ዝኸፍል ክቡር ህዝቢ ምዃኑ ኣብቶም መፅናዕታዊ ፅሑፋት ተመልኪቱ።

ህዝቢ ራያ ተቐባልን መኽበርን ጋሻ ን ኣብ ፍትሕን ርትዕን ዝኣምን ምኻኑ ዝተገለፀ እንትኾን ይኹን`ምበር መሰረታዊ ናይ ልምዓት ፍትሓዊ ተጠቃምነትን ሰናይ ምምሕዳርን ሕቶታት ከምዘለውዎ ተነፂሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ፀጋታትን ሃፍተ ገነትን ዞባ ደቡብ ግንዛበ ንምፍጣርን ዞባ ደቡብ ዘለዎ ሃፍተገነት ናብ ረብሓ ንምልዋጥ ዘኽእሉ ኣንፈታት ብምንፃር ዘላቒ መፍትሕታት ኣብ ምቅማጥ ክሕግዙ ዝኽእሉ ኣንፈታት ተነፂሮም ኣብቶም ዝቐረቡ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ።

መሬት ራያ ዘለዎ ሃፍተገነት ልዕልንትሕትን መሬት ማይ ፣ልሙዕ መሬት:ፀጋታት ኣቀማምጣ መሬት ምቹው ጠባይ ኣየር ቃላይ ሓሸንገ ኢሉ ውን ባህላዊ መጋየፂታት ደርፍታት ጉማየ፣ሁራ፣ገዳይ ማማ፣ ባህላዊ ፀወታ ግድል ን ካልኦት ክብርታትን ህዝቢ ራያ ብኣግባቡ ተገንዚብካ ናብ ረብሓ ምውዓል ከምዘድሊ ተመልኪቱ።

ብሓፈሻ ኣብ ፀጋታት ቱሪዝም እቲ ኸባቢ ብስፍሓት ምስራሕን ፍልፍል ኣታዊ ክኾኑ ኣብ ምግባርን ክስራሕ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ብመዳይ ፍርያታት ሕርሻ ውን መሬት ራያ ከም ደቖቖ ዝበሉ ኣብ ካልእ ከባቢታት ብስፍሓት ዘይፍለጡ ጥራምረ ሓዊሱ ከም ጣፍ ማሽላ ሽምብራ ሳስላን ሃፍቲ እንስሳን ካልኦትን ዝበሉ ፀጋታት ቆላን ደጉዓን ከባቢታት ራያ ምዃኖም ተጠቂሱ ።

ምስ ፀጋታትና ንጠሚ ምህላውና ቁጠዐ ክፈጥረልና ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ኣብቶም መፅናዕታዊ ፅሑፋት ዝቐረበ እንትኾን ዓቢ ዓቕሚ ንእሽተይ ጥቕሚ ንረኽበሉ ኣካይዳ ብምስትኽኻል ተረባሕቲ ሃፍተገነትና ኣብ እንኾነሉ ዓውዲ ክንዓስል ይግባእ ተባሂሉ ።

ብሓፈሻ ተጋሩ ውዳበና ቁልፊ መግለፂ መንነትና ብምዃኑ ብሄራዊ ረብሓ መሰረት ዝገበረ ሓበራዊ ኣተሓሳስባ ስምዒትን ራኢን ምውናን ከምዘድሊ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ

_ኣብ ከባቢና ዘለው ፀጋታት ልምዓት ንፈልጦም ዶ ?

_ንምንታይ ድኻታት ኮይንና ?

_ከም ማሕበረሰብ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ፀገም እንታይ ዩ ?

_ጎዳእቲ ልምድታትና ከመይ ንእለዮም ?

_መንእሰይና ንምንታይ ብስፍሓት ናብ ስደት ይውሕዝ ኣሎ ?

_ህዝቢ ራያ ከምቲ ገለ ወገናት ዝብልዎ ናይ እማን ናይ መንነት ሕቶን ፀገምን ኣለዎ ድዩ ?

_መሬትና እናተቆራረሰ ዝኸደሉ ዘሎ ምኽንያት እንታይ ዩ ?

ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ንምይይጥ ቀሪቦም ተዘትዩሎም ።

ብዮርዳኖስ ገ/ስላሴ