Home ዜና ሰላማዊ ሰልፊ ተመዛበልቲ ደቂ ኣንስትዮ

ሰላማዊ ሰልፊ ተመዛበልቲ ደቂ ኣንስትዮ

389

ኣብ ወረዳ እንዳባ ፃሕማ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ዝርከባ ተመዛበልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሕ ዘሎ ስቃይን መከራን ከብቅዕን ናብ መረበተን ክምለሳን ዝምልከቶ ኩሉ መፍትሒ ክገብረለን ብሰላማዊ ሰልፊ ሓቲተን።ኣብ ትግራይ በቲ ዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ትሉም ብዝኮነ መንገዲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝተፈላለዩ ኢሰብኣዊ ተግባራት ተፈፂሙ እዩ።እዚ ከይኣክል ሐዚ እውን ሰፊሕ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ፀላእቲ ብምህላው ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣይከኣሉን በዚ እውን ብጥምየትን ሕማምን ንኣደዳ ስቃይን መከራን ተሳጢሖም ይርከቡ፡፡

ኣብ ወረዳ እንዳባፃሕማ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ዝርከባ ተመዛበልቲ ደቂ ኣንስትዮ ድማ እዚ ስቃይን መከራን ከብቅዕ ፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ብሕገ መንግስቲ ክምለስ፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝተፈፀመ ጥቅዓት ፍትሒ ክረክብ ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ክምለሱን ካልኦት ዛዕባታትን ሒዘን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይደን።ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተረኸባ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብን ነበርቲ ከተማ ዕዳጋ ዓርብን ዝተፈረመ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ተግባራዊ ክኸውንን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱን ስቃይን መከራን ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ክብል መንግስቲ ፌደራል ሓላፍነቱ ክፍፅምን ማሕበረሰብ ዓለም ናብ ጭቡጥ ስጉምቲ ክኣቱን ሓቲተን።

ብርክብ ህዝቢ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ