Home ዜና ሰላማዊ ሰልፊ ዉግኣት ተጋደልቲ

ሰላማዊ ሰልፊ ዉግኣት ተጋደልቲ

689

ጀጋኑ ዉግኣት ሰራዊት ትግራይ በቢእዋኑ ነቕርቦም ሕቶታት ግቡእ ምላሽ ስለዘይተዋሃቦም ሐዚ እዉን ብህፁፅ ይፈትሑልና ብምባል ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። እቶም ካብ ኣይናለም ተበጊሶም ክሳብ ቤት ፅሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ጀጋኑ ዉጉኣት ኣባላት ሰራዊት እኹል ክትትል ሕክምና ይገበረልና ፣ቐረብ መድሓኒት ይማላእልና፣ናይ ምግብን ኣልባሳትን ሓዊሱ ኩሎም ማሕበራዊ ፀገማት ይፈትሑልና ዝብሉ ዓበይቲ ነጥብታት ሒዞም ኢዮም ድምፅና ይሰማዕ ክብሉ ተበጊሶም።

እቶም ዉግኣት ተጋደልቲ ወሲኾም ከም ዝገለፅዎ ኣብ ዉሽጢ ዓድን ወፃእን ዝነብር ኩሉ ትግራዋይ ንተጋዳላይ ትግራይ ንምሕጋዝ ዝገብሮ ዘሎ ርብርብ ዝንኣድ ከም ዝኾነን ኣብ ኣፈፃፅማን ተበፃሕነትን እቲ ሓገዝ ፀገማት ከይህልዉ ግን ምፍታሽ የድሊ እዩ ኢሎም።

ነቶም ሰላማዊ ሰልፊ ዝወፁ ዉግኣት ተጋደልቲ ተቐቢሎም ሕቶኦም ዘድመፁን መብርሂ ዝሃቡን ተጋዳላይ ማሾ በየነን ቺፍ ሰክሬታርያት ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋን እቶም ጀጋኑ ዝኸፈልዎ መስዋእቲ ህይወትን መጉዳእቲ ኣካልን ንህዝቢ ትግራይ ካብ ፅንተት ዘድሓነ ግቡእን ዘኹርዕን ህያው ታሪኽ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።

ነዚ ዘይትካእ ህይወቶምን ኣካሎምን ገቢሮም ህዝቢ ትግራይ ካብ ምጥፋእ ዘድሓኑ ዉግኣት ተጋደልቲ ዘለዎም ፀገማት ንክፍተሓሎም ዘልዕልዎም መሰረታዊ ሕቶታት ድማ ብቕልጡፍ ንክፍትሑ ትኹረት ሂብካ ከም ዝስራሕ ገሊፆም።

ብዮሃንስ ብርሃነ