Home ዜና ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወይከ ፈተኽ!!

ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወይከ ፈተኽ!!

983

—–

ልፍንታውያን ወረርቲ ኣለና ዝበልዎ ኩሉ ሰራዊቶምን መሳርሒ ኲናትን ኣዋዲዶም ካብ 18 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ጀሚሮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብኩሎም ኩርናዓት ናይ መወዳእታ ዝበልዎ መጠነ-ሰፊሕ ወራር እናካየዱ ይርከቡ። እዞም ሓይልታ ጀኖሳይድ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን ብምድርን ብኣየርን ማእለያ ዘይብሎም ገበናት እናፈፀሙ እዮም። ከተማታትን ገጠራትን ትግራይ እናደብደቡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ወገናትናን መሰረተ ልምዓት ትግራይ እውን ከቢድ ጉድኣት እናብፅሑ እዮም። ንከተማትት መቐለ፣ ውቕሮ፣ ሽረ፣ ዓድግራት፣ ዓዲዳዕሮ ሓዊስካ ኣብ ብዙሓት ዓበይትን ኣናእሽትን ከተማታትን ገጠራትን ትግራይ በብመዓልቱ ብነፈርቲ ውግእ፣ ድሮን፣ ተወንጫፍን ከቢድ ብረትን ኣረመኔያዊ ደብዳብ የካይዱ ኣለው። ብዓል መስቀል ኣብ ዝኽበረሉ 17 መስከረም 2015 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ውግእ እውን ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ናይ ዝሓዝዎ ሰይጣናዊ መደብ ኣካል ምዃኑ ብተግባር ኣረጋጊፆም ኣለዉ። በዚ ናይ ክሕደት ደብዳብ ብዙሓት ሰላማውያን ወገናትና ክሃልቁን ሃፍትን ንብረትን ህዝቢ ትግራይ ብግፍዒ ክዓኑን ተገይሩ እዩ።

መንግስቲ ትግራይ ብሞት ንፁሃት ወገናትና ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን እንትገልፅ ምስ ህዝቡ ኮይኑ ኣብዚ ገበን ዝሳተፉ ዘለዉ ሓይልታት ክሳብ መወዳእታ ከምዝፋረዶምን በዚ ድማ ደም ንፁሃት ወገናትና ብዓወት ከምዝድበስን ከረጋግፅ ይፈቱ።ኣብዚ እዋን እዚ ካብ መኸትኡ ፈተኽ ናይ ዘይበለ ህዝብና፣ ሕድሪ ዝተሸከሙን ህዝባዊ ዕላማ ዝጨበጡን፣ ካብ ኣብራኹ ዝተፈጠሩ መላምል ጀጋኑ ደቁ፣ ኣብ ልዕሊ ወገናትና ይበፅሕ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ኣረሜናዊ ጨፍጫፍ ዝያድቅ እናሓረኑ ኣብ ኩሎም ዓውደ-ግንባራትን ውግኣትን ንምእማኑ ዝኸብድ ቅያ ይፍፅሙ ኣለዉ። እዞም ልፍንታውያን ፀላእትና ብተኸታታሊ ውግኣት ኣቢሎም ሰራዊት ትግራይና ንምርብራብ ዓሊሞም ካብ 18 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ጀሚሮም ዝኸፈትዎ መጠነ-ሰፊሕ ወራር ብመስተንክራዊ ጅግንነትን ሓፂናዊ ፅንዓትን ሰራዊት ትግራይ እናተመከተ ይቕፅል ኣሎ።

ሓየት ሰራዊትና ህልውና ህዝቡ ንምርግጋፅ ኣብ ዘካይዶም ዘሎ ናይ መኸተ ውግኣት ኣብ ልዕሊ እዞም ወረርቲ ሓይልታት ዝለዓለ ሰብኣውን ንዋታዊን ክሳራ የሸክሞም ኣሎ። ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝተኻየዱ ውግኣት ሓየት ሰራዊትና ዘሐብን ታሪኽ እናሰርሐ እንትኾን ዘላቒ ህልውና ትግራይን ህዝባን ውሑስ ንምግባር ግን ሕዚ እውን ቃልስና ብዝበለፀ ክነሐይል ዘለና እዩ።እዞም ልፍንታውያን ፀላእቲ ክሳብ ዝሃለዉ ህዝቢ ትግራይ ካብ ገፅ መሬት ንምጥፋእ ዝጀመርዎ ጀኖሳይድ ኣጠናኺሮም ካብ ምቕፃል ወፃኢ ካልእ ክሓስቡ ኣይክእሉን ስለዝኾነ ክጋደል ዝኽእል ኩሉ መንእሰይ ናብ ምግዳል ክዓስልን ኣብ ጎኒ እቶም መስተንክራዊ ጅግንነት ዝፍፅሙ ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ኮይኑ ታሪኻዊ ግቡኡ ክፍፅምን ይግባእ።

ፅንዓትን መትከላዊነትን ተዓጢቑ “ወይከ ፈተኽ!!” ብዝልዓለ ወነን ሕራነን ከይተሓለለ ዝቃለስ ዘሎ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከብ ህዝብና ድማ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ሓድነቱ ኣደልዲሉን ዓቕምታቱ ኣዋዲዱን ዓንዲ ሑቖ ሰራዊትና ኮይኑ ቃልሱ ኣሐይሉ ከምዝቕፅልን እምነት መንግስቲ ትግራይ ኣዝዩ ልዑል እዩ። ተገዲደና ኣብ ዝኣተናዮ ኩናት ብዓወት ንምዝዛምን ኣብ ኩሉ ከባብታት ትግራይና ብኣየርን ብምድርን እናፈሰሰ ዘሎ ደም ንፁሃን ወገናትን ብምሕባስ ህልውና ትግራይን ህዝባን ብዘተኣማምን ብርኪ ውሑስ ንምግባርን ሕዚ እውን ብፅንዓት ካብ ምቅላስ ውፃኢ ካልእ መማረፂ ስለዘይብልና ኩሉ ትግራዋይ ተሳትፎኡ ዝያዳ ከሐይልን በዚ ኣቢልና ዕድመ ፀላእትና ክነሕፅርን መንግስቲ ትግራይ ይፅውዕ።ድፋዕ ህልውናና ኣይነድፍርን!!

ሃልዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!!

ትግራይ ትስዕር!!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ20 መስከረም 2015 ዓ.ምመቐለ