Home ዜና ሰማእታትና ፍትሒ ብምንጋስን ትግራይ ብምልማዕን ክንድብሶም ይግባእ-ስድራ ስውኣትን ነበርትን ወረዳ ሳምረ

ሰማእታትና ፍትሒ ብምንጋስን ትግራይ ብምልማዕን ክንድብሶም ይግባእ-ስድራ ስውኣትን ነበርትን ወረዳ ሳምረ

605

ምእንተ ህላወ ህዝቦም ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ሰማእታት ፍትሒ ብምንጋስን ትግራይ ብምልዓን ክድበሱ ከምዝግባእ ስድራ ስወኣትን ነበርቲን ወረዳ ሳምረ ገሊፆም፡፡

ንፁር ዕላማን ክቡር ሕድሪን  ጀጋኑ ሰማእታት ትግራይ ምፍፃም ናይ ኩሉ ትግራዋይ ሓላፍነት ከም ዝኾነ ድማ እቶም ስድራ ስውኣትን ነበርቲን ኣረዲኦም፡፡

ነባር ተጋደላይ ግርማይ ተካ ክልተ ደቆም ወይዘሮ ሂበናኒ ኣብርሃ ድማ ሓደ ወደን ዝተሰወኡዎም ስድራ ጀጋኑ ስውኣት ነበርቲ ወረዳ ሳምረ እዮም፡፡ እዞም ስደራ ጀጋኑ ደቆም ምንተ ህላወ ህዝቦም ኣብ ልቢ ኩሉ ትግራዋይ ዝነብር ክቡር መስዋእቲ ከምዝኸፈሉ ይዛረቡ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ረኽብዎ ዘሎ ኣፋፍኖት ሰላም ሰላ ክቡር መስዋእቲን አካላዊ መጉዳእቲን ጀጋኑ ደቁ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ነበርቲ እታ ወረዳ ብወገኖም ክቡር ዕላማን ሕድሪን ስውኣት ሓርበኛታት ትግራይ ምፍፃም ሓላፍነት ኩሉ ትግራዋይ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ብተወሳኺ እውን እቶም ወገናት ምእንተ ህላወን ድሕንነትን ህዝቦም መተካእታ ዘይብላ ክብርቲ ህይወቶም ዝገበሩ ጀጋኑ ሰማእታት ትግራይ ዘላቒ ሰላም ብምርግጋፅ፣ ፍትሒ ብምንጋስን ትግራይ ብምልዓዕን ክንድብሶም ይግባእ ኢሎም፡፡

ዕላማን ሕድሪን ስውኣት ብሄራዊ ጀጋኑ ትግራይ ኣብ ኣብ ሽቶኡ ንምብፃሕ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዓለም ዘሎ ትግራይን ፈታዊ ህዝቢ ትግራይን ክረባረብ ከምዝግባእ ድማ እቶም ወገናት መልኣኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡

ብታደለ ዳኘው