Home ዜና ሰማዒ ዝሰኣነ ፃዉዒት ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ

ሰማዒ ዝሰኣነ ፃዉዒት ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ

752

—-

ሰኣን ሰማዒ በቢመዓልቱ ንፀንት ኣለና ሬሳ ተይቀበርና ኣይንውዕልን ክብሉ ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከራት ከተማ ሽረ እንዳስላሴን ከባቢኣን ዝርከቡ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ኣማሪሮም።

ድሕሪ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ አብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዛጊድ ብዝተገበረ ዳህሳስ 134  ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ብሰንኪ ጥሜትን ስእነት መድሓኒትን  ከምዝሞቱን 98 ብፁኑዕ ሓሚሞም ኣብ ፃዕረ ሞት ከምዘለው  መተሓባበርቲ እቶም ተመዛበልቲ ሓቢሮም።

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴን ከባቢኡን ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ካብ 18 መዕቆቢ ማእካላት ብዘለው ኣተሓባበርቶምን ወከልቶምን አቢሎም   ንቴሌቭዥን ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ  ሰብኣዊ ሓገዝ  ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ክንወሃብ ብዘይምክኣልና ኣደዳ ሕማምን ሞትን ንኾን ኣለና ክብሉ መረረቶም ኣቕራቦም።

ተጣይሹ ዘሎ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ልዕሊ ዝኾነ ዋኒን ሰሪዑ አብ ዝሓፀረ እዋን መፍትሒ ከቐምጥን  ተመዛባላይ  ከይፀነተ ክበፅሓሉ ከምዝግባእ ፀዊዖም ምንባሮም ይዝከር።

ኣብቲ እዋን ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ መብርሂ ዝሃበና ኣተሓባበሪ እቶም ተመዛበልቲ ኣይተ ተስፋይ ኪዳኑ  ሰብኣዊ ሓገዝ በቲ ዓለም ለኸ መመዘኒ ኣብ ሰዓቱ ብዘይምርካቡ ሰብ ይሃልቕ ከምዘሎ ተዛሪቡ ኢዩ።

 ን57 ሽሕን 542 እስትንፋስ ከምዝተዓደለን እዚ ሓገዝ ምስዘሎ በዝሒ ተመዛበልቲ ብጣዕሚ ትሑት ብምዃኑ አብ ገበርተ ሰናይን አብ ምሕደራን ዘሎ ፀገም ተፈቲሑ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብዝሓፀረ እዋን ክቐርበሉ ከምዝግባእ አተሓሳሲቡ።

 ግዝያዊ ኣመሓዳሪ  ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ መ/ር ሱራፌል ኣርአያ  ተመዛበልቲ ዘልዕልዎ ዘለው ሕቶ ትክክል እዩ ዘሎ ጠለብን ቀረብን ከምዘይጥዓዓምን ዛጊድ ኣብ መፈለምታ ወርሒ መጋቢት ን57 ሽሕ  ተመዛበልቲ  ከምዝተሓገዘን እቲ ዝተረፈ ተመዛባሊ  ግና   ንከቢድ  ፀገም ተሳጢሑ ከም ዘሎ ሓቢሮም።

ቀረብን ጠለብን ሰብኣዊ ሓገዝ ብሰንኪ ዝተዛበዐ ፅንዓት ገበርተ ሰናይ ኣይተጠዓዓመን ዝበሉ መ/ር ሱራፌል   ነዚ ስዒቡ ተመዛበልቲ  ኣብ ዝኸፍአ ከቢድ ቅልውላው  ብምህላዎም ዝምልከቶ አካል ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ክረባረብ ከምዝግባእ ፀዊዖም።

ቴሌቭዥን ትግራይ  አብ ከተማ ሸረ እንዳስላሰ ኣብ ቤት ዕዮ እተን ገበርቲ ሰናይ ብፍላይ ኣብ #WFP፣#IOMን #OCHA ን ተረኺቡ ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ክህብዎ ሓቲቱ እቶም ኣተሓባበርቲ   መልሲ  ክህቡ ፍቃደኛታት  ኣይኮኑንን።

ብተወሳኺ ቴሌቭዥን ትግራይ ኣብ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈት እተን ገበርተ ሰናይ ተረኺቡ መብርሂ ክረክብ እንትሓተተ እዉን ፍቓደኛታት ኣይኾኑን።

 ነቲ ጉዳይ ዝምልከቶ መንግስታዊ መሓውር ኣብ ቢሮ ሕርሻ ዳይሬክቶሬት ሓደጋን ቅድመ ድልውነትን ህፁፅ ግብረ መልስን መብርሂ ክህበሉ ብተዳዳጋጋሚ ሓቲትና እውን  መብርሂ ክህብ ፍቃደኛ ኣይኮነን ።

#ጎይተኦም ተኸስተ