Home ዜና                          

                         

811

ሰራዊት ትግራይ ብዝኸፈሎ ኩለመዳያዊ መስዋእቲ ፀላእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሃቂኖሞ ዝተበገሱን፡ዝፈፀምዎን ዕላማ ፅንተት ብሙሉእነት ከይፍፅሙን ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝተደገሰሉ ሙሉእ ፅንተት ክድሕን ኣኽኢሉ እዩ ክብል ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይን ካቢኔ ሴክረታርያት ሰላምን ፀጥታን ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ ኣረዲኡ።

ብዛዕባ  ስውኣትና ምዑሩይን ፅፉፍን መረዳእታ ንምእካብን ከምኡ እውን  ንህዝብና ዝምችው ግዜ ብምምራፅ ክብርን ጅግንነትን ሰማእታትና ብዝምጥን ኣገባብ ስነ ስርዓት መርድእ ንምፍፃም ሰፋሕቲ ዕማማት እናተወገኑ መፂኦም እዮም ዝበለ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ ሐዚ ክብርን ጅግንነትን ሰማእታትና ብዝምጥን ኣገባብን ስድራቤታት እዞም ሰማእታት ንምሕብሓብ ብዘኽእል መንገድን ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝርከብ ግዝኣት ትግራይ ስሩዕ መንግስታዊ መርድእ ክካየድ እዩ ኢሉ።

ክሳብ ሐዚ ዝፍፀሙ ዘለው ስነ ስርዓት መርድእ ከም መንግስቲ ኣፍልጦ ዘይብሉን ንኽብርን ጅግንነትን ስውኣትናን ዝምጥን ብዘይምኻኑ ጠጠው ክብል ኣለዎ ዝበለ  ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ ህዝብን ስድራ ስውኣትን ነቲ ብመንግስቲ ዝተነፀረ ዕለት ብትዕግስቲ ክፅበን ክብርን ጅግንነትን ሰማእታትን ስድራ ስዋኣትን ክዕቀብን ፀዊዑ።                    

̎ኣስከሬን ሰማእታት ዝዓረፈሉ ቦታ ንፈልጥ ኢና ̎ ዝብሉ ገለ ውልቀ ሰባትን ጥቅመኛታትን ከምዘለው ንዕዘብ ኣለና ዝበለ ተጋዳላይ ታዳሰ ወረደ እዚ ተግባር ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ዘይ   ሓላፍነታውን ተግባር ገበን ብምኻኑ ኣብዚ ተግባር  ዝሳተፍ ኣካል ብሕጊ ከምዝሕተት ኣብሪሁ።                                                           

ህዝብና ደሃይ ደቁ ባዕሉ ኣሊሹ ዘይኮነስ ባዕልና ናብ ሕድሕዱ ናብ መረበቱ ኬድና ኢና ነፍልጦ ሓበሬታ ብዝተወደበን ምሽጥሩ ብዝተሓለወን መንገዲ ዝተወደበ ደኣምበር ዝኾነ ኣካል ዝፈልጦ ብዘይ ምኻኑ ህዝቢ ካብዞም መጭበርበርቲ ዓርሱ ክዕቅብ ፀዊዑ።

ዕላዊ መርድእ ሰማእታት ብሄራዊ  መዓልቲ ሓዘን ብምእዋጅን ብኻልኦት ንጥፈታትን ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ዕላዊ ከም ዝኾን ድማ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ ኣረዲኡ።

ሙስጦፋ ጡሃ