Home ዜና ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ዉዕሊ ፕሪቶሪያ ብሙሉእነት ንከይትግበር ዕንቅፋት ይኾኑ ብምህላዎም ማሕበረሰብ...

ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ዉዕሊ ፕሪቶሪያ ብሙሉእነት ንከይትግበር ዕንቅፋት ይኾኑ ብምህላዎም ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ እዞም ዕንቅፋት ዝኾኑ ኣካላት ስጉምቲ ክወስድ ማርቲን ፕላውት ፀዊዑ፡፡

527

ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ዉዕሊ ፕሪቶሪያ ብሙሉእነት ንከይትግበር ዕንቅፋት ይኾኑ ብምህላዎም ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ እዞም ዕንቅፋት ዝኾኑ ኣካላት ስጉምቲ ክወስድ ማርቲን ፕላውት ፀዊዑ፡፡

ካብ መከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝኾኑ ሓይሊታት ካብ ግዝኣት ትግራይ ክወፁ ኣብ መንጎ መንግስታት ትግራይን ኢትዮጵያን እኳ ስምምዕነት እንተተፈረመ፤ ሓይሊታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ዛጊድ ካብ መሬት ትግራይ ከም ዘይወፁ ዝገለፀ ማርቲን ፕላውት፤ ናይዚ ምኽንያት ድማ እቶም ሓይሊታት ኣብ ባህጊ ኢሳያስ ዝተንጠልጠሉ ብምዃኖም እዮም ኢሉ፡፡

ምስ ቴሌቪዥን ትግራይ ፃንሒት ዝገበረ ጋዜጠኛን ተመራማሪን ማርቲን ፕላውት ማሕበረሰብ ዓለም ምስ ኢትዮጵያ ክገብሮ ዝደሊ ምምሕያሽ ርክባት ምህላዉ ብዙሓት ምልክታት ከም ዘለውን እዞም ምልክታት ድማ ስርዓተ ኤርትራ ንብሕቲ ዘትርፉን ናብቲ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐሉ ተነፅሎ ከይኣቱን ኣብ ከቢድ ስግኣት ተሸሚሙ ምህላዉ ዝጠቐሰ ፤ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ እቲ ስምምዕነት ናብ መሬት ከይትርጎም ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓሳት እውን ካብ ተነፅሎ ንምድሓን ይመስል ኢሉ፡፡

ስርዓት ኤርትራ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ክፈጥሮ ዝደሊ ፅዕንቶ በብእዋኑ የንፀባርቖ ምህላዉ ዝገለፀ ማርቲን ፕላውት፤ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ምስ ዝትግበር ግን ዳግም ናብ ተነፅሎ ከየምርሕ ከቢድ ስግኣት ከይሓደሮ ከም ዘይተርፍ ጠቒሱ፡፡ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ገበንን ተሳትፎን ሰራዊት ኤርትራ ዝዓዘዘ ምንባሩ ኣይከሓድን፤ዋላ እውን ከቢድ ክሳራ ይብፀሓዮ፤ ዝዓበየ ህልቂት ዝተፈፀመሉ ግን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያዊያን ምዃኑ ዝገለፀ ማርቲን ፕላዉት፤ ህዝቢ ትግራይ ንኽብሩ ዝኸፈሎ መስዋእትነት ግን ንመፃኢ ዕድሉ እውን መድረኽ ተፈጢሩ ምህላዉ ኣመላኺቱ፡፡ ድሕሪ ከቢድ ደማዊ ኲናት ዝተፈረመ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ፤ ነገራት ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ክምለሱ ምተገበኦም፡፡

ብሰንኪ ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ግና ተመዛቢሉ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ናብ መረበቱ ከም ዘይተመለሰ ብምጥቃስ ህዝቢ ናብ መረበቱ ዘይምምላሱን እቲ ስምምዕነት ኣብ መሬት ዘይምትግባሩን ጎደሎ ክኸውን ገይርዎ ምህላዉ ዝገለፀ ማርቲን ፕላዉት፤ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ዕንቅፋት ዝኾኑ ኣካላት ስጉምቲ ክወስድ ፀዊዑ፡፡

ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ መሬት ከይተተግበረ ለውጢ ምምዝጋብ ኣይከኣልን ዝበለ ማርቲን፤ ስርዓት ኤርትራ ድሌቱ ንምፍፃም እንበር ኣህጉራዉን ዓለም ለኻዉን ሕግታት ኣብ ምኽባር ስለ ዘይርአ፤ ንትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ክከታተሉ ዝተጣየሹ ትካላትን መላዘብትን ሃገራት ንተፈፃምነት እቲ ውዕሊ እጃመን ክፍፅማ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ገ/ኣብሄር ሃይሉ