Home ዜና ሰራዊት ኤርትራ ኮሚቴ ምክትታል፣ምርግጋፅን ምኽባር ተልእኾን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ትግራይ ስርሑ ከይሰርሕ...

ሰራዊት ኤርትራ ኮሚቴ ምክትታል፣ምርግጋፅን ምኽባር ተልእኾን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ትግራይ ስርሑ ከይሰርሕ የተዓናቕፍ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

242
0

ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ሰራዊት ኤርትራ ኮሚቴ ምክትታል፣ምርግጋፅን ምኽባር ተልእኾን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ትግራይ ስርሑ ከይሰርሕ የተዓናቕፍ ከምዘሎ ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት ነዚ ዝገለፁ ሎሚ ጉንቦት 11/2015 ዓ/ም እቲ ኮሚቴ ኣብ ዙርያ ኣተገባብራ ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ዛጊድ ዝተወገኑ ስራሕትን ኣድሂቡ ኣብ ከተማ መቐለ መግለፂ ኣብ ዝሃቦሉ እዋን ኢዩ ።

ፕሬዚዳንት ጌታቸዉ ወረርቲ ሓይልታት ካብ መሬት ትግራይ ጠቕሊሎም ክወፁን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱን ማሕበረሰብ ዓለም ፅዕንትኡ ከሐይል ፀዊዖም። መንግስቲ ትግራይ ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ በቲ ዉዕሊ መሰረት ይፍፅም ከም ዘሎን እዚ ዘላቕነት ክህልዎ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ዉዕሊ ሰላም ብኽልቲኡ ወገን ቀልጢፉ ክትግበር እጃሙ ከበርክት ኣተሓሳሲቦም።

ላዕለዋይ ሓላፊ ኮሚቴ ምክትታል፣ ምርግጋፅን ምኽባርን ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ሜጀር ጀነራል ስቴፈን ራዲና ሰራዊት ትግራይ ዛጊድ ብመሰረት ዉዒሊ ፕሪቶሪያ ወኒንዎም ዝነበሩ ከበድቲ ኣፅዋር ከም ዘረከበ ሓቢሮም።

እቲ ኮሚቴ ኣብ ወርሒ ሰነ ናብ ምዕራብ ትግራይን ደቡብ ትግራይን ተጓዒዙ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወፃእ ዝኾኑ ወረርቲ ሓይልታት ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ከም ዝዕዘቡ እዉን ሜጀር ጀነራል ስቴፈን ራዲና ሓቢሮም።

ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ዳይሬክተር ምእላይ ጎንፂ ዶ/ር ኣልሓጂ ሳርጆህ ባህ ብኩናት ዝዓነዉ ትካላት ትግራይ ዳግም ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ከይዲ ከም ሕብረት ኣፍሪካን ኣህጉራውን ዓለም ለኻዉን መድረግቲ ኣካላት እጃሞም ከበርክቱ ፀዊዖም።

ከም ሕብረት ኣፍሪካ ድማ ኣብ ኲናት ትግራይ ንዝተፈፀሙ ገበናት ፍትሒ ንምርግጋፅን ብሓፈሻ ድማ ከም ሃገር ዘተኣማምን ሰላምን ልምዓትን ንክረጋገፅ ክሰርሕ ምዃኑ ኣረጋጊፆም።

ገ/ዚኣብሄር ታደለ

Previous article“ግዚያዊ ምምሕዳርና ዘለው ፀገማት ምፍታሕ ጉዳይ ሞትን ሕየትን ዝብል ፅኑዕ እምነት ሒዙ እዩ ዝንቀሳቀስ ዘሎ። “ ዶክተር ሓጎስ ጎዲፋይ
Next articleህዝብን ምምሕዳርን ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 18 ሚልዮን ብር ዝግመት 1500 ኩንታል ምሩፅ ዘርእን ዝተፈላለዩ ናዉቲ ሕርሻ ንትግራይ ሓጊዙ።