Home ዜና ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ሰራዊት ትግራይ ዕንቅፋት ይኸውን ከም ዘሎ ብምምሳል...

ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ሰራዊት ትግራይ ዕንቅፋት ይኸውን ከም ዘሎ ብምምሳል ዝቐርብ ክሲ መሰረት የብሉን—–ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ

ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ሰራዊት ትግራይ ዕንቅፋት ይኸውን ከም ዘሎ ብምምሳል ዝቐርብ ክሲ መሰረት ከም ዘይብሉን ክሳብ ሐዚ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዝተቖፃፀሮም ቦታታት ዝበፅሓ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና ተሽከርከርቲ ከም ዘየለዋን ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ትግራይን ፋሽስታዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብግዝያዊነት ተፃብኦታት ጠጠው ብምባል ናብ ትግራይ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምእታው ኣብ ስምምዕነት እንተበፅሑኳ ክሳብ ሎሚ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ሓገዝ ከም ዘየለ ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ወሲኹ ኣፍሊጡ። ላዕለዋይ ሓላፊ ቤት ፅ/ዝምድናታት ትግራይ ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ሂወት ምስ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እቲ ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝተብሃለ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምንታይ ክኣቱ ከም ዘይክኣለ ተሓቲቶም ‘’ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዝቆፃፀሮም ከባቢታት ክበፅሕ ስለ ዘይክኣለ ሓበሬታ ከም ዘይብሎም’’ ድሕሪ ምሕባር፣ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዘለዎ ቦታ ካብ ዝበፅሕ ንድሓር ናብ ህዝቢ ናይ ምብፃሕ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ገሊፆም። ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና ተሽከርከርቲ ናብ ትግራይ ከይኣተዋ ሰራዊት ትግራይ ዕንቅፋት ከም ዝኾነ እቲ ፋሽሽታዊ መንግስቲ ብተደጋጋሚ ዝጥቀመሉ መታለሊ ፕሮፖጋንዳን ክስን ሎሚ እውን ዝቐፀለ ኮይኑ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና ተሽከርከርቲ ሰራዊት ትግራይ ናብ ዝተቖፃፀሮ ቦታ ኣብዘይበፅሓሉ፡ ንመንግስቲ ትግራይ ምውቃስ፡ እቲ ልሙድ ናይ ምጭብርባር ተግባሩ ካብ ምቅላዕ ሓሊፉ ትርጉም ከም ዘይብሉን፣ ነዚ ዝዕዘብ ሳልሳይ ኣካል፡ ኣካል እቲ ስምምዕነት ከም ዝኾነን ብቐረባ ዝከታተሎ ምዃኑን ፕሮፌሰር ክንደያ ወሲኾም ሓቢሮም። እቲ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምፅናት ዕላምኡ ንምዕዋት ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ካብ ምጥቃም ብተወሳኺ፡ ዳግማይ ወራር ንምክያድ ኣብ ልዑል ምድላዋት ተፀሚዱ ከም ዝርከብ ዝንገረሉ ዘሎ ፋሽስታዊ ስርዓት፣ እቲ ግዘ ንምዕዳግ ዝጥቀመሉ ዘሎ መሰረት ዘይብሉ ምኽንያታት ገዲፉ፡ ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ብህፁፅ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከእቱ ከም ዘለዎን፡ ዘየእቱ ኣንተኾይኑ ግና መንግስቲ ትግራይ ካሊእ ኣማረፂ ከም ዝወስድን እውን ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ኣፍሊጡ። እቲ ግዝያዊ ተፃብኦታት ጠጠው ብምባል ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ናይ ምእታው ስምምዕነት ሳልሳይ ኣካል ኣብ ዘለዎ ዝተገበረ ስምምዕነት ከም ዝኾነን ስርዓት ኣብዪ ኣሕመድ ስምምዕነት የፍርስ ከም ዘሎን ዝሓበረ እቲ ቤት ፅሕፈት፣ እቲ ስምምዕነት ብቕልጡፍ ተግባራዊ ዘይኸውን እንተኾይኑ መንግስቲ ትግራይ ካሊእ ኣማራፂ ክወስድ ከም ዝግደድ ሓቢሩ፤ ክብል ትግራይ ሚድያ ሃውስ ፀብፂቡ። ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና! ትግራይ ትስዕር ! ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ! 21 መጋቢት 2014 ዓ.ም መቐለ

1283