Home ዜና ሰነድ ምውጋድ ዘረባ ፅልኣት

ሰነድ ምውጋድ ዘረባ ፅልኣት

495

ሰነድ ምውጋድ ዘረባ ፅልኣት

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ናብ ሓደጋ ዝመርሕ ዘሎ ዘረባ ፅልኣት ንምክልኻል ዘኽእል መተግበሪ ትልሚ ተዳሊዩ ኣብ ኩለን ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንክትግበር ፀዲቑ፡፡ እቲ ትልሚ ድሕሪ ምስረታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን ተጠናኺሩ ዝቐፀለ ጀኖሳይድ ንምክልኻል ወሳኒ ግደ ከም ዝህልዎ ዋና ፅሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉቴረዥ ገሊፆም፡፡

ዘረባ ፅልኣት ደው ከይበለ ብዛዕባ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰልን ፍትሒን ምዝራብ ኣይከኣልን፡፡ ስለ ዝኾነ ኩለን ኣበላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘረባ ፅልኣት ንምክልኻል ሕጊ ገይረን ከፅድቐኦን ነዚ ዝከታተል ትካል ከጣይሸን ዝፀውዑ ኣንቶኒዮ ጉቴረዥ፤ ኣብ 2ይ ኲናት ዓለም ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ፤ ድሕሪ ምስረታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን ምቕፃሉ ዘሕዝን እዩ ኢሎም።

ብሰንኪ ዘረባ ፅልኣት ዓለም ትህወኽ ኣላ፤ንምስፍሕፋሕ ማሕበራዊ ሚዲያ ስዒቡ ሎሚ ኣብ ኩሎም ኩርናዓት ዓለም ወጥሪ ነጊሱ ኣሎ፡፡ ብቑፅሪ ብዙሓት ኢና ዝብሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ብቁፅሪ ንኢሶም ንዝረኣይዎም ክፋላት ሕብረተሰብ ንምጥፋእ ክፅዕሩ ይረኣዩ ኣለዉ ዝበሉ እቶም ዋና ፀሓፊ፤ ዘረባ ፅልኢ ንምእጋድ ዘኽእል ሕጊ ወሳኒ ምዃኑ ኣፍሊጦም፡፡

ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዝግበር ወፍሪ ፀለመ፤ መበገሲ ጀኖሳይድ ኮይኑ የገልግል ምህላዉ ክሳብ ሕዚ ዝተረኸቡ መረዳእታታት እኹላት ምዃኖም፤ኣብ ደቂ ሰባት ጥርጣረታት ክነግስ፣ ምርድዳእ ከይህሉን ሓበራዊ ዕላማ ከይህልወካን ዕንቅፋት ይኸውን ምህላዉ ዝጠቐሱ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ እዚ ተግባር ድማ ፀረ ዕላማታትን ቻርተርን እቲ ውድብ ምዃኖም ኣረጋጊፆም፡፡

ዘረባ ፅልኣት ብሰብ ዋናታት ዝምራሕ፣ ብሄር፣ ፆታን ሃይማኖትን ከይፈለየ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊያን ሰባት ዝንዛሕ ወፍሪ ፀለመን ሓደጋ ህልውናን ስለ ዝኾነ፤ ብሕጊ ክግደብ ዘተሓሳሰቡ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንተንዮ ጉተሬዝ፤ ተግባራዊ ትልሚ ንምውጋድ ዘረባ ፅልኣት ዝብል ሰነድ ተዳሊዩ ዝፀደቐሉ ቀንዲ ምኽንያት እውን ብብርኪ ዓለም ተሓታትነት ንምርግጋፅ ምዃኑ ጠቒሶም፡፡

ጀኖሳይድ ዓለም ለኻዊ ገበን ምዃኑ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኽፀድቕ፤ ቅድሚ 75 ዓመታት ንዝነበረ ጨፍጫፍ ሆሎኮስት ከም መርኣያ ዝተጠቐሙ ሰብ ሞያ ብዙሕ ፃዕሪ ሓቲትዎም እዩ፡፡ ሎሚ ግን ዓለም ለኻዊ ትካል እናሃለወ እውን ጀኖሳይድ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይፍፀም ኣሎ፤ ዝበሉ ጉቴሬዝ፤ ሰነድ ተግባራዊ ትልሚ ንምውጋድ ዘረባ ፅልኣት ድማ ሓደ ካብ መከላኸሊ ሜላታት ምዃኑ ሓቢሮም፡፡

ዓለም ዓቕሚ እናሃለዋ ዓቕሚ-ኣባ ጌርናያ ኢና ዝበሉ ጉተሬዝ ሰነድ ምውጋድ ዘረባ ፅልኣት ብሙሉእ ምስ እንትግብሮ ድማ ኣብ ዓለም ሓደጋ ጀኖሳይድ ክውገድ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎምን ብተግባር ኣብ መሬት ንምውራድ ድማ ሓደጋ ዘረባ ፅልኣት ብብርኪ ማሕበረሰብ ዓለም ንቕሓት ክንፈጥረሉ ይግባእ ኢሎም፡፡

ኣኽራርነት፣ ፅልኣት ደቂ ሰብ፣ ዘርኣዊነት፣ ዓመፅ ፀረ ሙስሊምን ሴሜቲዝምን ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት መለዓዓሊ ዘረባ ፅልኣት ኮይኖም ኣገልጊሎም እዮም፡፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ድማ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ከቢድ ጥቕዓት በፂሑ ርኢና፡፡ መንግስታትን ፖለቲካዊ ውድባት እውን ኣብ ከምዙይ ዓይነት ሕሳር ተግባር ተዋፊሮም እዮም፡፡ እዙይ ብመሰረቱ ክውገድ ኣለዎ ዝበሉ ጉተሬዝ ተዳሊዩ ዘሎ ሰነድ ድማ ከምዚኦም ዓይነታት ፀገማት ንምውጋድ ሓጋዚ ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡

ዋና ፀሓፊ ወድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ መስከረም 2015 ዓ.ም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝተነዝሐ ዘረባ ፅልኣት ደማዊ ኲናትን ማሕበራዊ ርክብ ኢትዮጵያን ትግራይን ተበታቲኹ ኣሎ ክብሉ ምዝራቦም ይዝከር፡፡

ገ/ሄር ሃይሉ