Home ዜና ሰንበት 9 ሓምለ 2015 ዓ/ም መረፃ ኤጵስ ቆጶሳት መንበረ ሰላማ ከሳቴብርሃን ክካየድ...

ሰንበት 9 ሓምለ 2015 ዓ/ም መረፃ ኤጵስ ቆጶሳት መንበረ ሰላማ ከሳቴብርሃን ክካየድ እዩ !!

499

ላዕላዋይ ቤተ ክህነት መንበረ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ሰንበት 9 ሓምለ 2015 ዓ/ም መረፃ ኤጵስ ቆጶሳት ከካይድ እዩ። በዚ መሰረት ድማ ነቲ ድሕሪ ፅባሕ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ኣክሱም ፅዮን ዝካየድ መረፃ ኤጵስ ቆጶሳት ብፁኣን ኣበው ጳጳሳት እታ ቤተ ክርስትያን ናብ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ኣክሱም ፅዮን ኣትዮም ኣለው ።

እቲ ሰንበት 9 ሓምለ ዝሳለጥ ታሪኻዊ መረፃ ኤጵስ ቆጶሳት መንበረ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ካብ ረፋድ ሰዓት ክልተ ጀሚሩ ዝሳለጥ ኮይኑ 10 ኤጵስ ቆጶሳት ክምረፁ ትፅቢት ከምዝግበር ተሓቢሩ።

ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ድማ እዚ ታሪኻዊ መረፃ ብዕዉት ኣገባብ ምፍፃምን መንበረ ሰላማ ከሤቴብርሃን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ናብ ጥንታዊ መረበቱ ምምላስን ማለት ምኽባር ክብርታት ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ምምላስ ክብሪ፣ መንነትን ታሪኽን ህዝቢ ትግራይ እውን ኢዩ ይብሉ።

ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ ክፍፀም ዓብይ እጃም ዝተፃወተት ቤት ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያን መሓውራን ድማ መንበረ ሰላማ ናብ ጥንታዊ መረበቱ ከይምለስን ሊቃውንታ ንኽፀንቱን ንኽሳቐዩን ልዑል ተግባራዊ ተሳትፎታት ኣካይዳን እናካየደትን ትርከብ።

#ተኽለወይኒ_ኪዳነ_ኣረጋዊ