Home ዜና ሳዕቤን ክባን ዕፅዋን ኣብ ማእቶት ሕርሻ ትግራይ

ሳዕቤን ክባን ዕፅዋን ኣብ ማእቶት ሕርሻ ትግራይ

ፀላእቲ ህዝቢ #ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሕርሻን #ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ከቢድ #ብርሰት ከምዝፈፀሙ ሙሁራን ዓውዲ ሕርሻ ገሊፆም፡፡ እቶም ሙሁራን ኣብ ልዕሊ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን #ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ብምርዳእ ሓረስቶት ፣ ክኢላታት ሕርሻን ዝምልከቶም መሓውር መንግስትን እቶት ንምድንፋዕ ዝሕግዙ ሜላታት ክጥቀሙን ሙሁራን ድማ ኣበርክቶኦም ክፍፅሙን ኣተሓሳሲቦም፡፡ #ፋሽስታውያን ሓይልታት ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዓሊሞም ዘካየድዎ #ወራር #ጀኖሳይድ ኣብ ልዕሊ ዓንዲ መሰረት ህላወን ዕብየትን ዝኾነ መሓውር #ሕርሻ ፣ ጣብያታት ፈልሲ ፣ መሳርሕታትን እታወታትን ሕርሻ፣ ክሊኒካት እንስሳን ካልኦትን ከቢድ ዕንወት ከምዝፈፀሙ ኣብ ቢሮ ሕርሻ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ሕርሻ ኣይተ ሃይሉ በርሀ ገሊፆም፡፡ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ብምርዳእ ስራሕቲ #ምዕቃብ ጠሊ ፣ ምድኳዕ ድኹዒ፣ ምልስላስ መሬት፣ ክንዲ ኬሚካል ሽንቲ ብዕራይ ብምጥቃም ዘርኢ ምሕፃብ ዝኣመሰሉ ባህላዊ ሜላታት መደንፍዒ ምህርቲ ብምጥቃም #ማእቶት ሕርሻ ትግራይ ዝሐሸ ፍርያት ክህልዎ ክንሰርሕን ሙሁራን ድማ ኣብዚ እጃሞም ክፍፅሙን ሓላፊ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ዶክተር #እያሱ ኣብርሃን ኣብቲ ዓውዲ መፅናዕቲ ዘካየዱ ፕሮፌሰር #ምትኩ ሃይን ገሊፆም፡፡ ፋሽስታውያንን ወረርትን ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘንበርዎ #ክባን #ዕፅዋን ዛጊድ ዝኣተወ ምሩፅ ዘርኢ፣ መዳበርያ ፣ ኬሚካላትን ካልኦት እታወታት ሕርሻን ከምዘየለ ድማ ይፍለጥ፡፡ ብራሄል ኣረጋዊ

1427