Home ዜና ስልጠና ኣብ ምጥንኻር ዓቕሚ ሚድያ፤ንምክልኻል ሓበሬታ ሓሶት

ስልጠና ኣብ ምጥንኻር ዓቕሚ ሚድያ፤ንምክልኻል ሓበሬታ ሓሶት

553

ስልጠና ኣብ ምጥንኻር ዓቕሚ ሚድያ፤ንምክልኻል ሓበሬታ ሓሶት

ብምትሕብባር ማእኸል ምድንፋዕ መሰላትን ዲሞክራስን (CARD) ምስ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ማሕበር ስነ-ጥበብ ኣቡጊዳ ንሰብ ሞያ ሚድያን ኣንቃሕቲ ማሕበረሰብን ”ምጥንኻር ዓቕሚ ሚድያ፤ንምክልኻል ናይ ሓሶት ሓበሬታ” ዝብል ዛዕባ ስልጠና ይወሃብ ኣሎ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ፣መራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ ኣብ ምርግጋፅ ብሄራዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ክሰርሓ ከምዝግባእ ገሊፆም።ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ ተፈፂሙ እዩ ዝበሉ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ዝተፈፀሙ ዓለምለኸ ገበናት ኣብ ምቅላሕን፣ህዝቢ ትግራይ ፍትሒ ክረክብን እውን ክሰርሓ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ብፍላይ ድማ ኣብቲ ዘለናሉ መዋእል ህዝቢ ዘደናግሩ ተሰሓሓቱ ሓበሬታታት ብበዝሒ ዝውዝዕሉ ኩነታት እዩ ዘሎ ዝበሉ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም መራኸብቲ ማዕኸናት ነዚ ሚዛን ኣብ ምትሓዝ፣ፅፁይ ሓበሬታ ብምውዛዕን ህዝቢ ሓቀኛ ሓበሬታ ክረክብ ሓላፍነት ወሲደን ክሰርሓ ድማ ኣገንዚቦም።

ኣማኻሪት ጉዳያት ርክብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሮዝ ስቴቬንስ ኪሊትዝ ብወገነን፣ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ምዕባይ ዓቕሚ ጋዜጠኛታት ኢትዮጵያ እናሰረሐ ከምዝመፀ ብምግላፅ፣ ሐዚ ድማ ንጋዜጠኛታትን ሰብ ምያን መራኸብቲ ማዕኸን ትግራይ ንፈለማ እዋን ስልጠና ይወሃብ ከምዘሎን ዓቕሞም ኣብ ምብራኽ ድማ ሓጋዚ ከምዝኸውን ዘለወን እምነት ገሊፀን።

#ተኽለወይኒ_ኪዳነ_ኣረጋዊ