Home ማሕበራዊ ስራሕቲ ምርምር ዩንቨርስቲ ኣክሱም

ስራሕቲ ምርምር ዩንቨርስቲ ኣክሱም

1381

ዩንቨርስቲ ኣክሱም #ገድሊ ምርምርን ምዕባለን ንውሕሰት #ትግራይ ዝብል ኣወዳድባ ብምጥያሽ ኣብ ከባቢ ብቐሊሉ ዝርከቡ ናውትን ሃፍትን ብምጥቃም ፀገም ማሕበረሰብ ንምፍታሕ ይነጥፍ ከምዘሎ ምክትል ፕረዚደንት ምርምርን ግልጋሎት ማሕበረሰብን እቲ ዩንቨርስቲ ዶ/ር መርሃዊ ኣብርሃ ገሊፆም፡፡
ብምርምር ይስርሑ ካብ ዘለዉ ስራሕቲ መዝበጢ እኽሊ ማዕፂድ፣ ንማሕረስ ዘገልግል ናውትን ካልኦትን ከምዝርከብዎም ዝሓበሩ ዶክተር መርሃዊ እዞም ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ #ምርምር ብዝበለፀ ብምዕሟቕ ናብ ሕብረተሰብ ንክበፅሑ ከምዝስራሕ ወሲኾም ገሊፆም ፡፡
መጫጨፊት ዕፉን ዝሰርሐ መ/ር ምግበይ ጠለለው እታ መሳርሒ ሓረስታይ ብቐሊሉ ክጥቀመላ ዝኽእል ምዃናን ኣብ መዓልቲ ክሳብ 12 ኩንታል ዕፉን ክትጫጭፍ ከምእትኽእል ተዛሪቡ፡፡
መ/ር ጌታቸውን መ/ር ክብሮም መኮነነን ብወገኖም መውቀጢት ኮሮንሾን መዝበጢት እኽልን መዳቐቂ ንእንስሳ ዝውዕል ቃንጫን ብምርምር ከምዝሰርሑን ኣብ #ደጀን ኮይኖም እጃሞም የወፍዩ ከምዘለዉን ገሊፆም፡፡
እዚ ከምዚ ኢሉ እንሃለወ ዩኒቨርስቲ #ኣክሱም መበቆላዊ ፍልጠት ንውሕሰት ትግራይ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዋዕላ ዘካየደ እንትኸውን አብቲ ዋዕላ ግብራዊነት መበቆላዊ ባህሊ አብ ምህዞን ምምሕልላፍ ሳይንስን ቴክኖሎጅን፣ ኣመራፅታት ፖለቲካል ኢኮኖሚን ግደ ባህላዊ ሕክምናን ከምኡውን ኣብ ህልዊ ኩነታት ትግራይ፣ ምልላይን ምጥቃምን መበቆላዊ ፍልጠት ኣብ ዝብሉን ካልኦት ዛዕባታትን ብምሁራት እቲ ዩኒቨርስቲ ዝተፈላለዩ ፅሑፋት ቀርቦም ተዘትይሎም እዩ፡፡
ብፍስሃ መዝገበ