Home ዜና ስራሕ ክንሰርሕ ይግባእ” ፕሬዝዳንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ስራሕ ክንሰርሕ ይግባእ” ፕሬዝዳንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ

607

“ሰማእታትና ዝተሰውእሉ ሓደራ ከንቱ ከምዘይተረፈ ዘርእይ ስራሕ ክንሰርሕ ይግባእ” ፕሬዝዳንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ

“እዚ ተረኺቡ ዘሎ ሃዋህው ሰላም ተጠናኺሩ ክቕፅል ሕዚ እውን ኣብ ሕሱም መከራን ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ዝርከቡ ዜጋታትና መሊኦም ሓራ ክወፁ፣ ኣብ ኩሉ መሬት ትግራይ ዘይተረጋገፀ ሰላም መሊኡ ንክረጋገፅ ልዕሊ ኩሉ ግን ጀጋኑ ሰማእታትና ዝተሰውእሉ ሓደራ ከንቱ ከምዘይተረፈ ዘርእይ ስራሕ ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም ፕሬዝዳንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ መበል 35 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት ኣመልኪቱ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ምንባር ሕቑፊ ዕምበባ ከምዝገለፅዎ ማእታት ንዝክረሉ ናብ ጣዕሳ ንምእታው ዘይኮነስ ልዕሊ ኩሉ ዝተሰውእሉ ዕላማ ክፍፀም ከምዝግባእ ኣሚንና ዘይተፈፀመ ክንፍፅምን ዝተፈፀመ ድማ ዕምቆት ክህልዎን ናብ ዝሐሸ ብርኪ ክበፅሕ ዘኽእለና ኩሉ ዓይነት ስራሕ ክንሰርሕን ቃል ንኣትወሉ ክኸውን ኣለዎ።