Home ዜና ስርሑ ጠጠው ኣቢሉ ዝፀንሐ ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስራሕ...

ስርሑ ጠጠው ኣቢሉ ዝፀንሐ ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስራሕ ክኣቱ ኢዩ ተባሂሉ።

525

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ዝተኻየደ ወራርን ጀኖሳይዳዊ ኲናትን ምኽንያት ስራሕ ጠጠው ኣቢሉ ዝነበረ ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ ስርሑ ንምጅማር ክውገኑ ዝፀንሑ ስራሕቲ ተዛዚሞም ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስራሕ ከም ዝኣቱ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣመራርሓ እቲ ኮርፖሬሽን ንኢትዮጵያ ፕሬስ ድርጅት ከም ዝገለፅዎ፤ ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ስርሑ ጠጠው ኣቢሉ ከም ዝርከብ ሓቢሮም።

ድሕሪ እቲ ደማዊ ኲናት ኣብ ፕሪቶሪያ ብዝተፈረመ ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ እቲ ኲናት ጠጠው ምስ በለ ይምዕብል ብዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ነቲ ፓርኪ ናብ ስራሕ ንምእታው ምንቅስቓሳት እናተገበረ ከም ዝፀንሐ ብምግላፅ ሐዚ እቲ ክካየድ ዝፀንሐ ምድላዋት ከም ዝተዛዘመ ኣፍሊጦም። እቲ ኮርፖሬሽን ጎናጎኒ ምዉጋን ምድላዋቱ ቅድሚ ኣብቲ ትግራይ ዝተፈፀመ ወራር ኣብቲ ፓርክ መዋእለ ንዋዮም ኣዋፊሮም ኣብ ምስራሕ ዝነበሩ ሰብ ሃፍቲ ተመሊሶም ስርሖም ንክቕፅሉ ምርድዳእ ከም ዝተገበረን ስራሕ ንምጅማር እዉን ሕጉሳት ኮይኖም ንምጅማር ኣብ ምድላው ይርከቡ ኢሎም ኣመራርሓ እቲ ኮርፖሬሽን። ብተወሳኺ ድማ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ብብርኪ ምምሕዳር ከተማ መቐለን ክልልን ፓርክ ኢንዳስትሪ መቐለ ስራሕ ንምጅማር ኣብ ዘኽእል ኩነታት ዘተ ከም ዝተገበረ እውን ተሓቢሩ።