Home ዜና ስርዓተ ጥዕና ትግራይ

ስርዓተ ጥዕና ትግራይ

217

ዘለው ፀገማት ተፃዊርካ ስርዓት ጥዕና ከተማታት ትግራይ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኩሉ ሕ/ሰብ ሓጋዛይ ኾይኑ ክሰርሕ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ፀዊዑ።

ኣብ ምምሕያሽ ስርዓት ጥዕና ከተማታት ኣመልኪቱ ብምትሕብባር ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይን ሚኒስቴር ጥዕና ፌደራልን ኣብ ከተማ መቐለ መድረኽ ተሳሊጡ።

ቅድሚ ኩናት መብዛሕቲኡ ህዝቢ ትግራይ ጥዕንኡን ጥዕና ከባቢኡን ኣብ ምሕላው እኹል ግንዛበ ፈጢሩ ዓርሱ ይኹን ንኻልኦት ወገናት ካብ ዝተፈላለዩ ሕማማት እናተኸላኸለ ከምዝፀንሐ ዘዘኻኸሩ ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ኣማንኤል ሃይለ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ብርክት ዝበለ ህዝቢ ብስእነት ግልጋሎት ሕክምናን ብዘጋጠሞ ማሕበረ ቁጠባዊ ቅልውላውን ንሕማምን ሞትን ተሳጢሑ ከምዝርከብ ኣረዲኦም።

ብሰንኪ እቲ ዝተኻየደ ኩናት ዕንወት ዝበፀሐን ትካላት ጥዕና ዳግም ብምህናፅ ግልጋሎት ክህባን ጥዕና ሕብረተሰብ ክሕለውን መንግስቲ ይሰርሕ ምህላዉ ዝሓበሩ ድማ ሓላፊ ዴስክ ቀዳማይ ብርኪ ግልጋሎት ክንክን ጥዕና ሚንስቴር ጥዕና ፌደራል ኣይተ ኣክሎግ ጌትነት እዮም።

ብሰንኪ ኲናት ዝዓነወ ስርዓት ጥዕና ከተማታት ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ ዝግበር ርብርብ ግደ ኣመራርሓ ዝልዓለ ምዃኑ ዝገለፁ ድማ ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ከይዲ ስራሕ ምስጓም ጥዕናን ምክልኻል ሕማማትን ኣይተ ሚኪኤለ ሓጎስ እዮም።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ብግዲኦም ብምኽንያት ሂልዊ ኩነታት ኣብ ሆስፒታላት ይኹን ኣብ ጣብያታት ጥዕና ብዙሓት ፀገማት ዋላኳ እንተሃለው ነቶም ፀገማት ብምፅዋር ጥዕንኡ ዝተሓለወ ህዝብን ከባብን ንክህሉ ብዕቱብ ከምዝሰርሑ እዮም ዘረድኡ።

ስርዓት ጥዕና ከተማታት ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ብዝብል ብምትሕብባር ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይን ሚኒስቴር ጥዕና ፌደራልን ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ መድረኽ ምኽክር ከንቲባ ከተማታት ፣ ሓለፍቲ ኣብያተ ፅሕፈት ጥዕና ፣ ተወከልቲ ሚኒስቴር ጥዕና ፌደራልን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ዝትሳትፍሉ እዩ።

ብሂይወት ሺበሺ