Home ዜና ስነ-ስርዓት ምርቓ መፅሓፍ ”ትግራይ ኣብ ነጥበ መቐይሮ”

ስነ-ስርዓት ምርቓ መፅሓፍ ”ትግራይ ኣብ ነጥበ መቐይሮ”

621

”ትግራይ ኣብ ነጥበ መቐይሮ” ዘርእስታ ብዶክተር ገብረመድህን ሮምሃ ዝተፅሓፈት መፅሓፍ ሎሚ 19/9/2015 ዓ/ም ኣብ ሆቴል ሃፀይ ዮሃንስ ተመሪቓ። ደራሲ እታ መፅሓፍ ዶ/ር ገ/መድህን ሮምሃ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብዚ ሐዚ ዘለና ወለዶታት ንሕና መን ምዃንና ስለዘይፈለጥና መገድና ረሲዕና ጥራሕ ዘይኮነስ ከመይ ከም ዝኽየድ እዉን ረሲዕና ኣብ ከቢድ ዕንክሊል ኣቲና ንርከብ ኢሎም።

ስለዚ ድማ እዚ ወለዶ እዚ ትሕቲ ወለዱ ክኸዉን ንቡር ስለዘይኮነ ከም ወለዱን ልዕሊ ወለዱን ንምዃን ኣሚኑ ምዕቡል ታሪኽን ፀጋ ብሄርተኝነትን ተጠቒሙ ህልዉንኡን ህልዉና ቀፃሊ ወሎዶን ዘዉሕስ መፍትሒ ከምፅእ ይግባእ ኢሎም ዶ/ር ገ/መድህን።

ትሕዝቶ እቲ ”ትግራይ ኣብ ነጥበ መቐይሮ” ዘርእስቱ መፅሓፍ ፀሚቑ ዘቕረበ ሜጀር ጀነራል ተኽለብርሃን ወ/ኣረጋይ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ኣብ ቃንዛን ተስፋን ከም እትርከብ ብምሕባር እዚ መፅሓፍ ድማ ትግራይ ካብቲ ሐዚ ገጢሙዋ ዘሎ ፀገም ከመይ ኢላ ትወፅእ ዝብል ጠቋሚ ሓሳባት ዘቐመጠ ኣንፋቲ መፅሓፍ ምዃኑ ገሊፆም።

እቲ መፅሓፍ ኣርባዕተ ክፋላት ዝሓዘ ኮይኑ ብሔራዊ ጎነፅ ኣብ ሕብረ-ብሄራዉያን ሃገራት፣ነጥበ መቐይሮ፣ ምኽንያት ዉድቀት ትግራይ 2013 ዓ/ም፣ግደን ምኽንያትን ኢድ ኣእዳዉነትን ዓለም ለኻዊ ሓይልታት ኣብ ወራር ትግራይ፣ምኽንያት ወራርን ተግባር ዘርኢ ምጥፋእን ትግራይ 2013 ዓ/ምን ቀፃሊ ስግኣታት ትግራይን ካልኦትን ዝብሉ ኣርእስታት ከም ዝርከብዎ ተሓቢሩ።

#ተኽለወይኒ ኪዳነ