ስነ-ስርዓት ምንባር ሑቕፊ ዕንበባ
ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብ መበል 35 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ ሑቕፊ ዕንበባ ኣንቢሮም። ኣብቲ ዝኽርን ስነ-ስርዓት ምንባር ሑቕፊ ዕንበባን ኣቦወንበር ዉድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ወከልቲ ዝተፈላለዩ ውዳበታት፣ ክፋላት ሕብረተስብን ተረኺቦም ሑቕፊ ዕንበባ ብምንባር ሰማእታት ዘኪሮም።
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/2-50-1024x576.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/3-45-1024x576.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/4-38-1024x576.jpg)
ተጋዳላይ ዮሃንስ ወ/ጀወርግስ (መዲድ) ድማ ንሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ወኪሉ ሑቕፊ ዕንበባ ኣንቢሩ።ወከልቲ ውድባት ናፅነት ትግራይ፣ባይቶናን ዓሲምባ ዴሞክራሲያዊ ፓርትን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ተረኺቦም ሑቕፊ ዕንበባ ብምንባር ሰማእታት ዘኪሮም።
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/8-13-1024x576.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/9-11-1024x576.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/10-6-1024x576.jpg)
ነበርቲ ከተማ መቐለ እውን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ተረኺቦም መበል 35 ዓመት መዓልቲ ሰማእታት ዘኪሮም።