Home ዜና ስነ-ስርዓት ምንባር ሑቕፊ ዕንበባ

ስነ-ስርዓት ምንባር ሑቕፊ ዕንበባ

498

ስነ-ስርዓት ምንባር ሑቕፊ ዕንበባ

ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብ መበል 35 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ ሑቕፊ ዕንበባ ኣንቢሮም። ኣብቲ ዝኽርን ስነ-ስርዓት ምንባር ሑቕፊ ዕንበባን ኣቦወንበር ዉድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ወከልቲ ዝተፈላለዩ ውዳበታት፣ ክፋላት ሕብረተስብን ተረኺቦም ሑቕፊ ዕንበባ ብምንባር ሰማእታት ዘኪሮም።

ተጋዳላይ ዮሃንስ ወ/ጀወርግስ (መዲድ) ድማ ንሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ወኪሉ ሑቕፊ ዕንበባ ኣንቢሩ።ወከልቲ ውድባት ናፅነት ትግራይ፣ባይቶናን ዓሲምባ ዴሞክራሲያዊ ፓርትን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ተረኺቦም ሑቕፊ ዕንበባ ብምንባር ሰማእታት ዘኪሮም።

ነበርቲ ከተማ መቐለ እውን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ተረኺቦም መበል 35 ዓመት መዓልቲ ሰማእታት ዘኪሮም።