Home ዜና ስነ-ስርዓት ርኽክብ ሓገዝ

ስነ-ስርዓት ርኽክብ ሓገዝ

598

ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ወ/ሮ ኣዳነች ኣበቤ ዝዓነዉ ትካላት ትግራይ ዳግም ተሃኒፆም ናብ ስራም ክኣትዩ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝከኣሎ ሓገዝ ከም ዝገበር ብዝኣተዎ ቃል መሰረት 510 ሚልዮን ብር ብንዋትን ብጥረ ገንዘብን ንፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ኣረኪበን።

ትግራይ ካብቲ ገጢምዋ ዘሎ ዕንወት ዳግም ክትሓዉን ክትህነፅን ኣብ ፀገም ዝርከብ ህዝቢ ድማ ካብቲ ዘለዎ ፀገም ክላቐቕ ናይ ኩሉ ትሕብብር ይሓትት ዝበላ ከንቲባ ኣዳነች ኣበቤ ኣብቲ ዝተገበረ ሓገዝ ናውቲ ምግቢ፣ ኣልባሳት፣ ናውቲ ትምህርቲን ኤሌክትሮኒክስን ከም ዝርከብዎም ብምሕባር ብጥረ ቅርሺ ድማ 218 ሚልዮን ኣብዚ ዕለት ፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ኣረኪበን ።

ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ንምዉፃእ ኣብ ዝግበር ዘሎ ርብርብ ንዝገበሮ ሓገዝ ንኢዶም።

ብቐፃልነት እውን ዝተመዛበለ ህዝቢ ትግራይ ናብ መረበቱ ኣብ ምምላስ ኮነ ካልኦት ጠለባት ንምሃብ ድጋፍ ህዝብን ምምሕዳርን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተጠናኺሩ ክቖፅል ፀዊዖም።

#ተኽለወይኒ ኪዳነ