Home ዜና ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት

ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት

1266

ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ተቋሪጹ ዝጸንሐ ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምጅማር ተምሃሮኡ ኣብ ምቕባል ይርከብ።

ፕረዚዳንት ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ዶ/ር ዛይድ ነጋሽ ከም ዋላ’ኳ እቲ ዩኒቨርስቲ ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ዝዓነወን ዝተጉሓለን እንተኾነ ፣ ዕንወት ገጢሙና ኢዩ እሞ ክሳብ ዝፅገን ደንቑርካ ምንባር ስለ ዘይካኣል ኣብ ክሊ ሰፊሕ ዕንወት ኮይንና ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ክንጅምር ግድን እዩ ኢሎም።

መንግስቲ ፌደራል እውን እንተኾነ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ዝበጽሐን ዕንወትን ጉሕለትን ብምግንዛብ ኣድላይ ዘበለ ደገፋት ክገብር ከም ዝግባእ ዶ/ር ዛይድ ነጋሽ ተላብዮም።

ትምህርቲ ይጀመር ክንብል እንተለና ናይ ሰላም ተሩፋት ተጠቒምና ዘለና ዕድላት ናብ ረብሓ ንምልዋጥ እንበር ኣገደስቲ ጠለባት ናውቲ ትምህርቲ ስለ ዝረኸብና ኣይኮናን ዝበሉ ካቢኔ ሴክሬታሪያት ስግግር ፍትሕን ማሕበራዊ ልምዓትን ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ሂወት ብሰንኪ ጸላእቲ ዝዓነወት ዓዲ ንምሕዋይን ንምህናጽን ዜጋዊ ግቡእኹም ክትፍጽሙ ይግባእ ኢሎም።

ከንቲባ ከተማ ዓዲግራት ኣይተ ሰለሙን ሓጎስ ብወገኖም ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ሙሉእ ብሙሉእ ዝዓነወ ብምዃኑ ጸገም እቲ ዩኒቨርስትን ተምሃሮኡን ንምቅላል ዝካኣለና ኩሉ ክንድግፍ ኢና ኢሎም።

ተወከልቲ ኣቦታት ሃይማኖት ብወገኖም ማሕበረሰብ እቲ ዩኒቨርስቲ ናብ ንቡር ንምምላስ ምስ ሰዓብትና ብምትሕብባር ንምምሃር ምስትምሃር ምችው ዝኾነ ከባቢ ንምፍጣር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

እቲ ዩኒቨርስቲ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 2000 ስሩዓት ተምሃሮን ሓደሽትን ከም ዝተቐበለ ኣፍሊጡ።

መርሃዊ ተስፋይ