Home ዜና ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ኤጲስ ቆጰሳት

ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ኤጲስ ቆጰሳት

567

ኣብ ከተማ መቐለ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ኤጲስ ቆጰሳት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ ተሳሊጡ።

ብመንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ ዝተሰየሙ ሓደሽቲ ብፁኣን ኤጲስ ቆጰሳት ኣብ ከተማ መቐለ ደብረ ገነት ኪዳና ምህረት ቤተክርስትያን እንትኣተው ምእመን ነባራይ ከተማ መቐለ ብዝደመቐ ኩነታት ኣቀባብላ ገይርሎም።

ብፁእ ኣቡነ የውሃንስ ላዕለዋይ ሓላዊ ቅዱስ ፍሬሚናጦስ ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን መንፈሳዊ ኮሌጅ ከምኡ እውን ብፁእ ኣቡነ ኣረጋዊ ዋና ፀሓፊ
መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ትግራይን መሳርሕቶምን ተረኺቦም።

#ብእያሱ በርሀ