Home ዜና ስእነት ናውቲ ሕክምናን መድሓኒትን መባእታዊ ሆስፒታል ዕዳጋ ዓርቢ

ስእነት ናውቲ ሕክምናን መድሓኒትን መባእታዊ ሆስፒታል ዕዳጋ ዓርቢ

529

ብሰንኪ ስእነት መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ሞት የጋጥም ከምዘሎ መባእታዊ ሆስፒታል ዕዳጋ ዓርቢ ኣፍሊጡ፡፡ ገነት የማነን ሻሹ ተኽለብርሃንን ኣብ መበእታዊ ሆስፒታል ዕዳጋ ዓርቢ ግልጋሎት ወሊድ ንምርካብ ኣብቲ ሆስፒታል ዝረኸብናየን ወገናት ኢየን፡፡

እዘን ወገናት ኣብ ትግራይ ብዝነበረ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ነብሰፁራት ኮይነን ግልጋሎት ሕክምና ከምዘይረኸባ ብምዝኽኻር ሐዚውን እንተኾነ ሰብ ሞያ ጥዕና ብዝኸኣልዎ ግልጋሎት ንምሃብ ይፅዕሩ ዋላእኳ እንተሃለው ስእነት መድሓኒት ከምዘሎ እየን ዝዛረባ፡፡

ብተመሳሳሊ ወ/ሮ ማሾ መኮነንን ኣይተ መረሳ መድሃንዬን ኣብቲ ሆስፒታል ውላዶም ከሕክሙ ዝረኸብናዮም ወገናት እንትኾኑ ንደቆም ዝተኣዘዘሎም መድሓኒት ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ኢዩ ዝገልፁ። ኣካያዲ ስራሕ መባእታዊ ሆስፒታል ዕዳጋ ዓርቢ ኣይተ ግርማይ ማርሻ ብግደኦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኵናት እቲ ሆስፒታል ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነወን ነዚ ስዒቡ ድማ ሐዚ እውን ሕብረተሰብ ግልጋሎት ክረክብ ብዘይምኽኣሉ ሞት የጋጥም ከምዘሎን ብግላፅ ነቲ ኣጋጥሙ ዘሎ ኩለመዳይ ሓደጋ መንግስቲ ፈዴራል ኮነ ማሕበረሰብ ዓለም ህፁፅ መፍተሒ ከናድየሉ ይግባእ ኢሎም፡፡

#ታደለ ዳኘው