Home ዜና ስያመ ጎደናታት ብሽም ስውኣት

ስያመ ጎደናታት ብሽም ስውኣት

625

ስያመ ጎደናታት ብሽም ስውኣት

ብምኽንያት መበል 35 ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ትግራይ ዝተፈላለዩ ጎደናታት ከተማ መቐለ ብሽም ሰማእታት ተሰይሞም።ኣብቲ ንፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳርን ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ኣብ ዝተረኸብሉ ዝተኻየደ ስነ- ስርዓት ድማ ካብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ መቐለ ክሳብ ቤተ ክርስትያን እንዳ ሚካኤል መቐለ ዘሎ ጎደና ብሽም ስውእ ተጋዳላይ ዳንኤል ኣሰፋ፣ ካልኦት ናብ ዝተፈላለዩ ሸነኻት ዘቕንዑ ገለ ጎደናታት ድማ ብሽም ስውኣት ተጋደልቲ ኣምባሳደር ስዩም መስፍን፣ ኣባይ ፀሃየ፣ ኣስመላሽ ወልደስላሰን፣ ዘርኣይ ኣስገዶም፣ ሴኩቱሬ ጌታቸውን ኣልጋነሽ መለስ ተሰይሞም እዮም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣብ ቅድሚ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ከተማ መቐለ ዝርከብ ኣደባባይ እውን ብሽም ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ ተሰይሙ እምነ ኩርናዕ ተነቢሩሉ ኣሎ።ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታየው ረዳ በቲ ዝተኸፈለ መስዋእቲ ዝተረኸበ ሰላም ተጠቒምና ስውኣት ንህዝብና ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ብምርግጋፅ ክንክሕሶም ይግባአና ኢሎም።ኣቦ መንበር ውድብ ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ንስድራ ስውኣት ምስጋና ምስሊ ጀጋኑ ስውኣት ኣበርኪቶም።