Home ዜና ስጉምቲ ሓይሊ ዕማም ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ

ስጉምቲ ሓይሊ ዕማም ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ

643


ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝመፀ እኽሊ ኣብ ምስዋርን ምጥፍፋእን ንዝተዋፈሩ ኣካላት ኣፃርዩ ናብ ተሓታትነት ንምቕራብ ዘኽእል ብመንግስታዊ መሓዉሩ ዝምራሕ ክልላዊ ሓይሊ ዕማም ምጥያሹ ይዝከር።


በዚ መሰረት ዉን እቲ ሓይሊ ዕማም ካብ ክልል ክሳብ ጣብያ መሓዉር ዘለዎ ኮይኑ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ እዉን ናይታ ክፍለ ከተማ ሓይሊ ዕማም ኣጣይሹ ናብ ሱሩዕ ተግባራዊ ስራሕቲ ምእታው ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ዝፈትሕ ዩ ክብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ኮሚሽን ምኽትል ኮምሽነር ጀነራል ገብረስላሴ በላይ ገሊፆም ።
ብተወሳኺ ዉን እቲ ካብ ክልል ክሳብ ጣብያ ዝተጣየሸ ሓይሊ ዕማም ናብ ተግባራዊ ስራሕቲ ኣትዩ እንትሰርሕ ሕብረተሰብ ዉን ተሳትፉኡ ከዐብን ሓገዝቲ ኣካላት ዉን ሓገዞም ክቕፅልሉ ዝሕግዝ ዩ ኢሎም።


ኣዛዚ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነን ኣባል ሓይሊ ዕማምን ኮማንደር የማነ ኪዳነማሪያም እቲ ሓይሊ ዕማም ናብ ተግባር ካብ ዝኣቱ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ መሸጣ ዝተዋፈሩ 7 ነጋዶ ከም ዝሓዘን ሕጋዊ ስጉምቲ ከም ዝተወሰደሎም ብምሕባር እዚ ድማ ብዝተዋደደ መልክዑ ቀፃሊ ከም ዝኸዉን ሓቢሮም።


ምክትል ሓላፊት ዘፈር ማሕበራዊ እታ ክፍለ ከተማ ወይዘሮ ትዕበ ገብረፃድቃን ብወገነን እቲ ዝዉሰድ ዘሎ ሕጋዊ ስጉምቲ ብሰብ ሞያ ተፀኒዑ ዝትግበር ዘሎ ዩ ድሕሪ ምባል እቲ ቀንዲ ትኹረትና ድማ ኣብ ምንጪ እቲ ፀገም መሰረት ዝገበረ ዩ ኢለን።
እቶም ኣብ መሸጣ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝተዋፈሩ ነጋዶ ድማ ኣብ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ከም ዝተዋፈሩ ብምእማን ቀፃሊ ግን ካብ ስሕተትና ተማሂርና ናብ ሱሩዕ ንግድና ክንኣቱ ኢና ኢሎም።   

ዮሃንስ ብርሃነ