Home ዜና ስግኣት ወራር ዕስለ ኣንበጣ

ስግኣት ወራር ዕስለ ኣንበጣ

398

ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣጋጢሙ ዝነበረ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ካብ ዞባ ክሳብ ጣብያ ብዝተወደበ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ዋላ እንተተኸኣለ ሕዚ እውን ነታ ዞባ ኣብ ዘዋስና ወረዳታት ዓፋር ከም ብሓድሽ ተጫጪሑ ስለዘሎ መንግስቲ ፌደራል ንምክልኻል ዘኽእል ኣድላይ ሓገዝ ክገብር ምምሕዳር እታ ዞባ ኣፍሊጡ ፡፡

ክሳብ ሕዚ ኣጋጢሙ ዝነበረ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣዝዩ ሓደገኛ ምስ ምዃኑ ተዛሚዱ ኣብ ልዕሊ ዘራእትን ሃፍቲ ተፈጥሮን ጉድኣት ኣብፂሑ ምንባሩ ንቴሌቪዥን ትግራይ ሓበሬታ ዝሃቡ ምኽትል ኣማሓዳርን ሓላፊ ዘፈር ቁጠባን እታ ዞባ ኣይተ ገብረ ካሕሳይ ኣብዚ መዳይ ህዝቢ ዞባ ምብራቕ ንዘርኣዮ ስጡም ውዳበን መኸተን ዝነኣድ ምዃኑ ሓቢሮም ፡፡

ይኹን እምበር ሕዚ እውን ኣብ ከባቢታት ዓፋር ፍሉይ ቦታ ፈርሰደገ፣ኣልሔናን ሑርሒናን ኣብ ዝተብሃሉ መዋስንቲ ከባቢታት ከም ብሓድሽ ተጫጪሑ ኣብዚ ሰሙን ምንፋር ከምዝጅምር ካብ ሰብ ሞያ ዘራእትን ሃፍቲ ተፈጥሮን እታ ዞባ ምርዳእ ኪኢልና ኢና ዝበሉ እቶም ምኽትል ኣማሓዳሪ እቲ ተጣይሹ ዘሎ ሓይሊ ዕማም ናይታ ዞባ ብዕቱብ ክከታተሎ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፡፡

እቲ ዞባ ካብ ስግኣት ወራር ዕስለ ኣንበጣ ነፃ ዝኸውን መንግስቲ ፌደራል ብሰብ ሞያ ፣ ኪሚካል ነፀጋን ካልኦት ናውትን እትሕግዝ ስለዝኾነ ኣብዚ መዳይ ብህፁፅ ሓገዝ ክገብር ፃውዒቶም ኣቕሪቦም፡፡

ብዮውሃንስ ብርሃነ