Home ዜና ቃል ምስክርነት ፆታዊ መጥቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ

ቃል ምስክርነት ፆታዊ መጥቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ

538

ፖሎቲከኛታት እንግሊዝ ኣብ ትግራይ ብጀኖሳይዳውያን ሓይሊታት ግዳያት ፆታዊ መጥቃዕቲ ንዝኾና 120 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ኣመልኪቱ ንዝቐረበ ቃል ምስክርነት ኣድሚፆም።

ጋዜጠኛን ተንታኒ ፖለቲካን ቀርኒን ደቡብን ኣፍሪካ ማርቲን ፕላዉት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘዉፅኦ ፅሑፍ ከምዘስፈርዎ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ዑም ራኩባ ምስ ጓል ሓፍቲ እንኣ ራህዋ ዝመፀት ብርኽቲ ካሕሳይ ኢልዉን ካብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር መቐለ ዝኸዱ ዶክተር ሃሌ ተካን እዮም ንፖሎቲከኛታት እንግሊዝ ቃለ ምስክርነቶም ኣቕሪቦም ዘለዉ።

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ከምዚ ዓይነት ረዚን ጉዳይ ምስክርነት እንተድምፁ ምርኣይ ዝተለመደ ኣይኾነን ዝበሉ ማርቲን ፕላውት እዘን ቃለ ምስክርነተን ዝሃባ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሐ ዝኸፍአ ፆታዊ መጥቃዕቲ ብዓይነን ዝረአያ እየን ኢሎም። ዶክተር ሃሌ ተካ በቶም ጀኖሳይዳውያን ሓይልታት ፀታዊ መጥቃዕቲ በፂሕወን ናብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዝመፃ ደቂ ኣንስትዮ ክትትል ክገብሩ ዝፀንሑ ሓኪም ማህፀን ኾይኖም ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኩነታት ምስክርነቶም እንትህቡ እቲ ሆስፒታል ነተን መጥቃዕቲ ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ዘቕርቦ ዋላ ሓንቲ ግልጋሎት ከምዘይነበረ ኣረዲኦም።

ነተን ደቂ ኣንስትዮ ዝዉሃብ መድሓኒት ተወዲኡ ምንባሩን ኣማራፂ ስለዘይነበረ ግዚኦም ዝሓለፎም መድሓኒታት ክሳብ ምሃብ ተጀሚሩ ከምዝነበረ ዝገለፁ ዶክተር ሃይለ ኣሽሓት ህፁፅ መጥባሕቲ ዘድልየን ደቂ ኣንስትዮ ብሰንኪ ሕፅረት ናውቲ እቲ መጥባሕቲ ከይተኻየደ ምትራፉ ሓቢሮም።

ገሊአን ደቂ ኣንስትዮ በወታደራት እቶም ጀኖሳይዳውያን ሓይልታት ኣብ እግሪ ተኽሊ ተኣሲረን ንሰሙናት ብተደጋጋሚ ብተናፀልን ብዕስለን ብዘስካሕክሕ ጭካነ ከምዝተደፈራን ገሊአን ከምዚ ተግባር ዝተፈፀመን ድማ ኣብ ቕድሚ ሰብኡተንን ወለደንን ምዃኑ ኣረዲኦም።

ሓንቲ ውላዳ ዝተቐተላ ኣዶ በቶም ወታደራት ዝተቐተለ ወዳ ሓቒፋ ክትቀብሮ ስለዘይፈቐዱላ ንመዓልትታት ክትፀንሕ ከምተገደደት ኩሉ ግዘ ንሕክምና ኣብ እትመፀሉ እዋን “ወደይ ባዕለይ ክቐብሮ ዘይምኽኣለይ” እናበለት ከምትበኪ ዶክተር ሃይለ ኣብ ዝሃቦ ቃለ ምስክርነት ኣረዲኡ።

ሪታ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ንምዉፃእ እንትፍትን እዉን ብርክት ዝበለ ግዜ ተኸልኪላ እያ። “ኣብ ሕድሕድ ዝረኸብክዎም ኣባላት ሰራዊት ደዉ ኣቢሎም-ታይ ኢኺ ትሰርሒ ዘለኺ? ዝብሉኒ ይመስለኒ” ዝበለት ሪታ እዚ ኹሉ ላዕልን ታሕትን ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝበፅሐ ግፍዒ ንምቕላዕ ዝሕግዝዋ ዝኣከበቶም መረዳእታታትን ትግራወይትነታን ሓቢኣ ከምተጉዓዘት ኣረዲኣ። “ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብዘይ ዕቑባን ብፃምእ ፍትሕን ይሳቐያ ኣለዋ” ክትብል ድማ ነቲ ኣኼባ ዝመርሓ ሄለን ሃየስ ሓዊሱ ፍሉይ ኣማኻሪ ጉዳያት ምክልኻል ፃታዊ ዓመፅ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ልኡል ጣሪቕ ኣሕመድን ካልኦት ኣባላት ቤት ምኽሪ ኢንግሊዝን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣረዲኣ።

“ክሳብ 4 ዓመት ዕድመ ገሊአን ድማ 6 ወርሒ ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ ዘስኻሕክሕ ተግባር ግህሰት ሰብኣዊ ክብሪ ከምዝበፅሐን ሰሚዕና” ድማ ኢሎም ልኡል ኣሕመድ። ተኣከብቲ ካብ ባንግላዲሽ፣ዲሞክራቲክ ሪባብሊክ ኮንጎ ክሳብ ዩክረይን ንዘጋጠሙ ጎንፅታት ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሐ ፆታዊ መጥቃዕቲ ኣዳሚፆም። “In Plain Sight” ወይ ድማ “ኣብ ሰጣሕ ዝሰፈረ ሓበሬታ” ብዝብል ርእሲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝበፅሐ ግፍዒ ምስክርነታት ዝሰነደ መፅሓፍ ኣብቲ ኣኼባ ዕላዊ ተገይሩ እዩ።

ጋዜጠኛን ፖለቲከኛን ቀርኒ ኣፍሪካ ማርቲን ፕላዉት ኣብ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘዉፅእዎ ፅሑፍ ከምዘስፈርዎ።

#ብሃይለሚካኤል ገሰሰ