Home ዜና ቃል ብተግባር

ቃል ብተግባር

754

ስድራ ስውኣትን ስድራ ተጋደልቲን ምሕጋዝ ሓላፍነት ኩሉ ሕብረተሰብ እዩ፡፡ ነዚ ሰናይ ተግባር ኣብ ምትግባር ካብ ዘለዉ ውልቀ ሰብ ንስድራ ስውኣት ገዛ ክራይ ብናፃ  ክነብርሉን ንደቂ ስውእ ተጋዳለይ ድማ ወፃእታት ትምህርቲ እናሸፈኑ ምስ ዝርካቡ ወገን  ክነላልየኩም።   

ወ/ሮ ሰላም ገብረፃዲቕ ኣደ ክልተ ቆልዑት እያ፡፡ ቅድም ክብል በዓል ገዝኣ ኣብ ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ተዋፊሩ ይሰርሕ ብምንባሩ ናብራ በዚ ኣቢሎም ይመርሑ ነይሮም፡፡ እንተኾነ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዓሊሞም ኣብ ዘካየድዎ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ንምምካት ምእንተ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ክብል መስዋእቲ ኸፊሉ፡፡

ብዓል ዋና እቲ እትነብረሉ ገዛ ኣይተ ግርማይ ወልዱ ሕሉፍ ኣዋርሕ ገዛ ክራይ ዝመሓራ እንትኾን ንቐፃሊ እውን እቲ ገዛ ንክትነብረሉ ብምፍቃድ ንቶም ቆልዑት እውን ካብ ደቁ ንዘይምፍላይ ኣብ ውልቀ ቤት ትምህርቲ ወርሓዊ ክፍሊት እናኸፈለ የምህሮም ኣሎ፡፡

በዓል ገዝኣ ናብ በረኻ ምስ ካበ ዝወፅእ ኣትሒዙ ሓላፍነት ተሰሚዕዎ ኣይተ ግርማይ ንዝገሮ ዘሎ ኩለመደያዊ ደገፍ እዉን ወ/ሮ ሰላም ገብረፃዲቕ ተመስግን፡፡

ህላወ ትግራይ ንምውሓስ ኢሎም መስዋእቲ ንዝኸፈሉ ሰማእታት ስድርኦም ኣብ ምሕጋዝን ኣለናልኩም ኣብ ምባልን ግደ ኩሉ ሕ/ሰብ ክኸዉን ይግባእ ኢሎም፡፡

ብኣበባ ፅጋብ