Home ዜና ቆሞስ ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሳሙኤል ብሓይሊ ተገዲዶም ናብ ህንዲ ክምለሱ ተገይሩ።

ቆሞስ ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሳሙኤል ብሓይሊ ተገዲዶም ናብ ህንዲ ክምለሱ ተገይሩ።

507

ቆሞስ ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሳሙኤል ብኣባላት ፀጥታ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ተገዲዶም ናብ ህንዲ ክምለሱ ተገይሩ።

ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተዓጊቶም ዝቐነዩ ቆሞስ ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሳሙኤል ሰዓት 4:30 ምሸት ክልተ ኣባላት ፀጥታ መንግስቲ ብሓይሊ ኣዳፊኦም ንምርመራ ንደልየካ ኢና ኢሎም፣ፓስፖርቶም መንጢሎም ናብ ህንዲ ናብ እትበርር ዋንነታ ናይ ኢትዮጵያ ዝኾነት ነፋሪት ከምዘእተዉዎም ብቐረባ ንኣባ ሰረቀብርሃን ብስልኪ ዝከታተልዎም ዝነበሩ ምንጭታት ንቴሌቪዥን ትግራይ ብስልኪ ኣብ ዝሃቡና ሓበሬታ ሓቢሮም።

ድሕሪ ድማ እታ ቆሞስ ኣባ ሰረቀብርሃን ተገዲዶም ዝተሳፈሩላ ቁፅሪ በረራኣ ET-686 ዝኾነት ነፋሪት ኢትዮጵያ ሰዓት 11:55 ፍርቂ ለይቲ ናብ ከተማ ኒውደልሂ ህንዲ ተበጊሳ ከም ዘላ እዉን ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ቆሞስ ኣባ ሰረቀብርሃን ቀትሪ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከም ዝርከቡ ብስልኪ ጠይቕና ኣብ ዝሓተትናዮም እዋን ንምንታይ ናብ ቤተሰበይ ከይደ ከይሓትት ትኽልክሉኒ ኣለኹም ኢሎም ነቶም ዝዓገትዎም ኣካላት ፀጥታ እንትሓቱ ፈፂሞም ናብ ትግራይ ክኸዱ ከምዘይፈቕደሎም፣ እንተደልዮም ናብ ዝመፅእዎ ክምለሱ ወይእውን ናብ ኣዲስ ኣበባ ንኽኣትው ከምዝፍቀደሎም ጥራሕ ከምዝነገርዎም ሓቢሮምልና ነይሮም።

ክቡራት ተኸታተልቲ ቴሌቪዥን ትግራይ ኩነታት ቆሞስ ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሳሙኤል እናተኸታተልና ናባኹም ክነብል ኢና።

#ተኽለወይኒ_ኪዳነ_ኣረጋዊ