Home ዜና በዓለ ሲመት ኤጲስ ቆጰሳት መንበረ ሰላማ

በዓለ ሲመት ኤጲስ ቆጰሳት መንበረ ሰላማ

594

ኣብ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ኣክሱም ፅዮን ዝካየድ በዓለ ሲመት ኤጲስ ቆጰሳት መንበረ ሰላማ ከሣቴብርሃን ካብ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ እቲ ስነ-ስርዓት ክሳለጥ እዩ።ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ መንበረ ሰላማ ካሣቴ ብርሃን ከም ዝሓበሮ እቶም 10 ዝሽየሙ ኤጲስ ቆጰሳት 5 ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ወፃኢ ዝምደቡ እንትኾኑ እቶም ንውሽጢ ዓዲ ከገልግሉ ዝተመረፁ ሓሙሽተ ኤጲስ ቆጶሳት ድማ 1 ንዞባ ደቡብ ትግራይ1ንዞባ ምዕራብ ትግራይ1ንዞባ ደቡብ ምብራቅ ትግራይ1ንመንፈሳዊ ኮለጅ ፍሪሜናጦስ1ድማ ንጉባኤ ሊቃነ ጳጳሳት ትግራይ ከም ዝሽወሙ ሓቢሩ።