Home ዜና በዓል ሃፍቲ ኣይተ ኣዘዞም ኣየለ መርዓ ኣባላት ስድርኦም ወፃእታት ንእንግዶት ምሳሕ ጉድአት...

በዓል ሃፍቲ ኣይተ ኣዘዞም ኣየለ መርዓ ኣባላት ስድርኦም ወፃእታት ንእንግዶት ምሳሕ ጉድአት ሰራዊት ኣዉዒሎም

420

በዓል ሃፍቲ አይተ ኣዘዞም ኣየለ መርዓ አባላት ስድርኦም ወፃእታት ንእንግዶት ምሳሕ ምግባር ሓዊሱ ልዕሊ 6 ሚልዮን ብር ኣብ ማእኸል መሐብሐቢ ጉድአት ሰራዊት መለስ አካዳሚ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ኣወፍዮም።

በዓል ሃፍቲ ኣይተ ኣዘዞም ኣየለ ኣብ ዝሓለፈ እዋን በቲ ማእኸል ብዝተገበረሎም ፃዊዒት ቃል ካብ ዝኣተውዎ ክልተ ሚልዮን ብር ንዝተፈላለዩ ናውቲ መዐደጊ ዝውዕል ሓጊዞም ።

ኣብቲ ማእኸል የጋጥም ንዝነበረ ሕፅረት ማይ ንምፍታሕ ሰለሰተ ሚልዮን ብር ወፃኢ ብምግባር ማይ ጉድጓድ ከምዝዃዓቱ ኣይተ ኣዘዞው ሓቢሮም ።

ኣይተ ኣዘዞም ኣየለ ተመዛበልትን ፅጉማትን ኣብ ምሕብሓብ ንዝርከቡ ትካል እምሆይ ፀጋን ማሕበር ተራድኦ ፍረሚናጦስን ንሕድሕዶም 500 ሽሕ ብር ሓጊዞም።

በዓል ሃፍቲ ኣይተ ኣዘዞም ኣየለ ነቶም ምእንተ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ክብሉ አካላዊ መጉዳእቲ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ሰራዊት ትግራይ ንመርዓ ኣባላት ስድርኦም ክዝዉዕል ዝነበረ 165 ሽሕ ብር ወፃኢ ብምግባር እንግዶት ምሳሕ ምግባሮም ሓቢሮም።

ነቲ ውህብቶ ዝተቐበሉ ትካል ገባሪ ሰናይ እምሆይ ፀጋ ግርማይን ማሕበር ተራድኦ ፍረሚናጦስን እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ኣብ ኣፍ ሞትን ፀገምን ዘለው ወገናት ዘድሕን ብምዃኑ ክምስገን ይግባእ ኣሎም።

ዘዛራረብናዮም ጀጋኑ ጉድኣት ሰራዊት ብወገኖም እቶም መርዑ ምስኦም ክውዕሉ ንዝገበሩን ኩለ መዳይ ሓገዝ ንዝገበሩ በዓል ሃፍቲ ክብሪ ይግብኦም ኢሎም።

ጎይተኦም ተከስተ