Home ዜና በዓል መስቀል ንሰላም፣ ሕውየትን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መላእ ትግራይ ከምዝኽበር ቢሮ...

በዓል መስቀል ንሰላም፣ ሕውየትን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መላእ ትግራይ ከምዝኽበር ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣፍሊጡ

924

ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ፣  ህዝቢ ትግራይ  ኣብ ኩለመዳያዊ ቅሉውላው ኣብዘለወሉ እዋን ኮይኑ ዝኽበር ዘሎ በዓል መስቀል 2016 ዓ.ም ባህላውን ሃይማኖታውን ትውፊታቱ ተሓልዮ ህዝብና እነፅናዕንዐሉን ናይ ምድግጋፍ ክብርና እነበርኸሉን ክብረ በዓል ክኸዉን ከምዘለዎ ኣብ ግምት ብምእታው ምድላዋቱ የሳልጥ ከምዘሎ ሓላፊ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዶ/ር ኣፅበሃ ገብረዝጋብሄር ገሊፆም።

ኣብ ኣከባብራ በዓል ሸንዳ ዝተረኸቡ ብሉፃት ተሞክሮታት ብምዕቃብን ዝነበሩ ዉሱናት ክፍተታት ብምዕባስ ዉሑስ ብዝኾነ መልክዑ ንክበዓል ምድላዋት ይውገን ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ፣ ዝተፈላለዩ ምርኢታት፣ ምፍላጥ ከባብያዊ ምህርቲ፣ዑደትን ካልኦትን ንጥፈታት ከምዝሳለጡ እዉን ኣፍሊጦም።

ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ካብዘሎ ከባቢታት ትግራይ ወፃእ ኣብ ኩሉ ከባቢታት  መስቀል ንሰላም ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝኽበር በዓል መስቀል 2016 ዓም ብፉሉይ ኣብ ከተማታት መቐለ፣ ዓዲግራትን ኢሮብን ብድምቀት ከምዝኽበር ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ንሚድያታት ኣብዝሃቦ መግለፂ ዕላዊ ገይሩ።

#ተስፋዝጊ ዓስበይ