Home ዜና “በዓል ኣሸንዳ ንሰላምን ሕውየትን “ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንምኽባር ምድላዋት ይውገን ከምዘሎ ቢሮ...

“በዓል ኣሸንዳ ንሰላምን ሕውየትን “ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንምኽባር ምድላዋት ይውገን ከምዘሎ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣፍሊጡ።

541

“በዓል ኣሸንዳ ንሰላምን ሕውየትን “ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንምኽባር ምድላዋት ይውገን ከምዘሎ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ቢሮ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ፣ ንዝሓለፍ ዓመታት ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ከይተኸበረ ዝፀነሐ በዓል ኣሸንዳ ሎሚ ሕውየትን ተረባሕነትን ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ብዘኽእል መንገዲ ከምዝኽበር ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶ/ር ኣፅበሃ ገ/ግዚኣብሃር ሓቢሮም።

እቲ በዓል ኣብ መዓልቱ ኣብ ትግራይ ከምዝኽበር ቀፂሉ ካብ ትግራይ ወፃእ ካብ 17-26 ነሓሰ ከምዝኽበር እውን ገሊፆም።እቲ በዓል ካብ ድርኡ ጀሚሩ ምእንተ ህዝቢ ህይወተንን ኣካለንን ዝኸፈላ ዋዕሮታት ደቂ ኣንስትዮን መስዋእቲ ነበር ቀዳማይ ሚኒስተር ተጋዳላይ መለስ ዜናዉን ንምዝካር ስነ-ስርዓት ምዉላዕ ጥዋፍ ከምዝሳለጥ ዶ/ር ኣፅበሃ ኣብሪሆም።

ብፍላይ ድማ በዓል ኣሸንዳ ካብ ትግራይ ወፃእ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን እቲ በዓል ንኽኽበር ይሰርሕ ኣሎ ዝበሉ ዶ/ር ኣፅበሃ ገ/እግዚኣብሄር ፣ነሓሰ 16 ግን ካብ ትግራይ ወፃእ ከምዘይኽበር ገሊፆም።

@እየሩሳሌም ገ/መድህን