Home ዜና በዓል ኣሸንዳ 16 ነሓሰ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣይካየድን -ከየንቲ ትግራይ

በዓል ኣሸንዳ 16 ነሓሰ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣይካየድን -ከየንቲ ትግራይ

589

ነሓሰ 16/2015 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ በዓል ኣሸንዳ ትግራይ ኣዪካየድን ክብል ከያኒ ኣበበ ኣርኣያ ሓቢሩ። ከየንቲ ትግራይ ኣብ ጉዳይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዝነበረ በዓል ኣሸንዳ ኣድሂቦም ኣብ ከተማ ንማዕኸናት መራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ መግለፂ ይህቡ ኣለው።

እቲ ካብ ትግራይ ወፃኢ 16 ነሓሰ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ሓደ ካብ መግለፂ ክብርታት ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ በዓል ኣሸንዳ ”ባህልናን ትግራዋይ መንነትናን ኣሕሊፍና ኣይንህብን፣ ህዝብና ዝሃበና ነቐፌታን ሪኢቶ ብምቕባል ምድላው ኣሸንዳ ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዘይተወሰነ እዋን ሰሪዝናዮ ኣለና” ክብሉ ሓቢሮም ኣለው። ኣብቲ መግለፂ ከየንቲ ኣበበ ኣርኣያ፣ ሙሉጌታ ካሕሳይ(ወዲ ሮሚጥ)፣ሚዛን ተስፋይን ካልኦትን ተረኺቦም ኣለው።

ኤፍሬም_ረደሀይ