Home ዜና በዓል ዒደል-ኣልድሓ(ዓረፋ) ኣብ ከተማ ዓዲግራት

በዓል ዒደል-ኣልድሓ(ዓረፋ) ኣብ ከተማ ዓዲግራት

673

መበል 1444 ዓመት በዓል ዒደል-ኣድሓ (ዓረፋ) ኣብ ከተማ ዓዲግራት ብድምቀት ተኸቢሩ።ሎሚ ዓመት በዓል ዒደል-ኣድሓ ምስቲ ዝተጀመረ ስምምዕ ሰላምን ካብ ድምፂ ጥይትን መዳፍዕን ወፅዮም ምስ ቤተሰቦምን ጎረቤቶምን ብነፃነት የኽብርዎ ከምዘለዉ ንቴለቭዥን ትግራይ ርኢቶኦም ዝገለፁ ማሕበረሰብ ሙስሊም ከተማ ዓድግራት ገሊፆም።

እቲ ዝተጀመረ ስምምዕ ሰላም ንምጥንካርን ትግራይ መሊስካ ንምሕዋይን ኣብ ዝግበር ርብርብ ኣብ ጎኒ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኖም ከምዝሰርሑ ዝገለፁ ማሕበረ-ሰብ ሙስሊም ከተማ ዓድግራት ተመዛበል ነናብ መረበቶም ክሳብ ዝምለሱ ዝኸኣልዎ ሓገዛት ምግባር ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ኣረዲኦም። ዋና ፀሓፊ ሸሪዓ ቃዲ ቤት ፍርዲ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ሽኽ ሳልሕ ኣቡበከር ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ዒደል-ኣድሓክባን ዕፅዋን ብዉሱን መልክዕ ኣብ ዝተመሓየሸሉን ተነፃፃሪ ሰላም ኣብ ዝተረኸበሉን ብምዃኑ ብነፃነትን ድባብ ሰላምን ከምዝተኸበረ ገሊፆም።ማሕበረሰብ ሙስሊም እቲ ንፅጉማት ዝገበሮ ልሙድ ምትግጋዙ ከጠናኽር ከምዘለዎ ዝመዓዱ ሸኽ ሳልሕ እታ ዝተጀመረት ሰላም ንድሕሪት ከይትምለስ እዉን ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኑ ክሕልዋ ፀዊዖም።

#ብገ/መድህን ተ/መድህን