Home ዜና በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ ዓረፋ

በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ ዓረፋ

725

በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ ዓረፋ

መበል 1444 ዓመት በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ ዓረፋ እንትነኽብር ብዘይኣፈላላይ ፅጉማት ብምትሕግጋዝ ክኸውን ይግባእ ኢሉ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ።

መበል 1444 በዓል ዒድ ኣልኣድሓ ዓረፉ ምኽንያት ብምግባር መግለፂ ዝሃቡ ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሸኽ ኣደም ዓብደልቃድር፤ ንመላእ ሰዓብቲ እስልምና እንኳዕ ናብዚ በዓል ኣብፀሓኩም ኢሎም።

ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ዒድ ኣልኣድሓ ኣብ ተነፃፃሪ ሰላም ኾይና ነኽብሮ ስለዘለና ካብ ናይ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ፍሉይ ይገብሮ ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት ፤ ይኹን ምበር ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገም ስለዝርከብ ፀገማት ህዝቢ ብምፍታሕ ክነኽብሮ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ብሰንኪ እቲ ንትግራይ ዝወሃብ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምቁራፁ፣ ተመዛበልቲ ናብ ቦተኦም ብዘይምምላሶምን ካልኦት ዘይተፈትሑ ፀገማትን ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘለው ማሕበራውን ቁጠባውን ፀገማት ንምፍታሕ መላእ ሰዓብቲ እስልምና ዝኸኣልዎ ሓገዝ ንክገብሩ ዝፀዊዖም።

#ብሳሙኤል ገብረታትዮስ