Home ዜና ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ካብ 1ይ ክፍሊ – 12 ክፍሊ ሚያዝያ 23 /2015ዓ/ም...

ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ካብ 1ይ ክፍሊ – 12 ክፍሊ ሚያዝያ 23 /2015ዓ/ም ስሩዕ ት/ቲ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ።

1325

ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ተቛሪፁ ዝፀንሐ ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ት/ቲ ትግራይ ካብ 1 – ክፍሊ 12 ክፍሊ ሚያዝያ 23 2015ዓ/ም ስሩዕ ት/ቲ ከም ዝጅምር ቢሮ ትምህርቲ ትምህርቲ ትግራይ ገሊፁ።

ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ዝዓነወት ትግራይ ዳግም ንምሕዋይን ወለዶታት ንምህናፅን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ግደ ወለድን መምህራንን ዝያዳ ከም ዝጠልብ ድማ ሓላፊ ቢሮ ት/ቲ ትግራይ ደ/ር ኪሮስ ጉዑሽ ኣገንዚቦም።

ብሰንኪ ኮሮናን ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝኣወጅዎ ጆኖሳይዳዊ ኵናትን ተቋሪፁ ዝፀንሐ ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ሚያዝያ 23 2015ዓ/ም ከም ዝጅምር ድማ ሓላፊ ቢሮ ት/ቲ ትግራይ ደ/ር ኪሮስ ጉዑሽ ገሊጾም።

ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ት/ቲ ትግራይ ጊዝያዊ መንግስቲ  ኣብ ዝተጣየሸለን ከባቢታት ከም ዝጅምር ድማ ደ/ር ኪሮስ ጉዑሽ ሓቢሮም።

ዛጊድ ተቋሪፁ ዘሎ ትምህርቲ ትግራይ ንምጅማር  2 ነጥቢ 4 ሚልየን ተምሃሮ ክምዝገቡ ትፅቢት ከም ዝግበርን ጉዳይ ተመዛበልቲ ተምሃሮ ድማ ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ኣብያተ ት/ቲ ክምሃሩ ከም ዝግበር ደ/ር ኪሮስ ጉዑሽ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ስራሕቲ ተዋፊሮም ዘለው ሰራሕተኛታት  ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ፣ ብመሰረት ውሳኔ  ካቢኔ መንግስቲ ትግራይ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልትታት ናብ ስሩዕ ስራሖም ንክምለሱ ምዕዋዖም ዝዝከር እዩ። ብመርሃዊ ተስፋይ