Home ዜና ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ካብ 1ይ ክፍሊ – 12 ክፍሊ ሚያዝያ 23 /2015ዓ/ም...

ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ካብ 1ይ ክፍሊ – 12 ክፍሊ ሚያዝያ 23 /2015ዓ/ም ስሩዕ ት/ቲ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ።

688
0

ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ተቛሪፁ ዝፀንሐ ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ት/ቲ ትግራይ ካብ 1 – ክፍሊ 12 ክፍሊ ሚያዝያ 23 2015ዓ/ም ስሩዕ ት/ቲ ከም ዝጅምር ቢሮ ትምህርቲ ትምህርቲ ትግራይ ገሊፁ።

ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ዝዓነወት ትግራይ ዳግም ንምሕዋይን ወለዶታት ንምህናፅን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ግደ ወለድን መምህራንን ዝያዳ ከም ዝጠልብ ድማ ሓላፊ ቢሮ ት/ቲ ትግራይ ደ/ር ኪሮስ ጉዑሽ ኣገንዚቦም።

ብሰንኪ ኮሮናን ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝኣወጅዎ ጆኖሳይዳዊ ኵናትን ተቋሪፁ ዝፀንሐ ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ሚያዝያ 23 2015ዓ/ም ከም ዝጅምር ድማ ሓላፊ ቢሮ ት/ቲ ትግራይ ደ/ር ኪሮስ ጉዑሽ ገሊጾም።

ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ት/ቲ ትግራይ ጊዝያዊ መንግስቲ  ኣብ ዝተጣየሸለን ከባቢታት ከም ዝጅምር ድማ ደ/ር ኪሮስ ጉዑሽ ሓቢሮም።

ዛጊድ ተቋሪፁ ዘሎ ትምህርቲ ትግራይ ንምጅማር  2 ነጥቢ 4 ሚልየን ተምሃሮ ክምዝገቡ ትፅቢት ከም ዝግበርን ጉዳይ ተመዛበልቲ ተምሃሮ ድማ ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ኣብያተ ት/ቲ ክምሃሩ ከም ዝግበር ደ/ር ኪሮስ ጉዑሽ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ስራሕቲ ተዋፊሮም ዘለው ሰራሕተኛታት  ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ፣ ብመሰረት ውሳኔ  ካቢኔ መንግስቲ ትግራይ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልትታት ናብ ስሩዕ ስራሖም ንክምለሱ ምዕዋዖም ዝዝከር እዩ። ብመርሃዊ ተስፋይ

Previous article”…ናይ ክልተ ዓመት ዘይተኸፈለ መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ክንከፍሎ ኢና ኣብዚ ዘደናግር ነገር ክህሉ ኣይግባእን ” ፕሬዚዳንት ጌታቸዉ ረዳ
Next articleዘተ ምስ ኣመራርሓ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ