Home ዜና ባህሊ ሕላገት መንነት ሓደ ህዝቢ እዩ-ሙሁራት

ባህሊ ሕላገት መንነት ሓደ ህዝቢ እዩ-ሙሁራት

1048

ዝኾነ ህዝቢ ናይ ምንባሩን ዘይምንባሩን ትርጉም ዝግለፅ ኣብ ታሪኽ፣ባህሊ፣ትውፊት፣ቋንቋ፣ፅሑፋዊን ስነ- ቓላዉን ሃፍትታቱ ዝተመስረተ እዩ።

ነዚ እዉን እዩ ህልዉና ሓደ ህዝቢ ዝጠፍእ መግለፂ መንነታዊ ህልዉኑኡ ዝኾኑ ባህሉ ፣ታሪኻዊ ፣መንፈሳዊን ሃይማኖታዊን ሓድግታቱ እንትጠፍኡ እዮም ይብሉ ኣብ ባህሊ ፥ ቋንቋን ስነ ጽሑፉን መጽናዕቲ ዘካየዱ ምሁራት።

ህዝቢ ትግራይ እዉን ከም ሓደ ክፋል ማሕበረሰብ ዓለም መሰረት ምሽጥር ህልዉንኡ ዝገልፁ ቁሳዊ፣ መንፈሳዊ ሓድግታቱን እምነታቱን ካብ ትዉልዲ ናብ ትዉልዲ ንምስግጋርን ህልዉንኡ ንምቕፃልን እዩ ንመዋእሉ መስዋእቲ ዝኸፈለን ክሳብ ሐዚ ዉን ዝኸፍል ዘሎን ይብሉ።

ባዓል ኣሸንዳ ካብቶም ህዝቢ ትግራይ ዝልለየሎም ዓበይቲ ባዓላት ሓደ ኾይኑ ናይ ባዕሉ ክብርታታ ከም ዘለዉዎ ዝገለፁ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ምሁር ባህልን ስነ-ፅሑፍን መዝገበ ገብረሚካኤል ብደቂ ኣነስትዮ ዝኽወን ፍሉይ መልክዕን ሃፍትን ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ብሰነቓላውን ያታዊን ጥራሕ ዝግለፅ ዘይኮነስ ዝተፈላለዩ ተመራመርቲ ኣብቲ ዓውዲ ብዘካየድዎ መፅናዕትን ክሳብ ሐዚ ብዝተረኸቡ ዉፅኢት ስነ ዃዕትን ዉን ከም ዝተረጋገፀ ዮም ምሁራዊ ሓሳቦም ዝገልፁ።

ስለዝኾነ ድማ ይብሉ እዞም ምሁራት ኣሸንዳ 2015 ዓ/ም ደቂ ኣሸንዳ እንተኽብራን ነቲ ባዓል ኣመልኪቶም ዝሰናድኡ ዝተፈላላዩ ትሕዝቶ ዘለዎም መድረኻትን ንህልዊ ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ብዝገልፅ መልክዑ ክኸዉን ከም ዘለዎ ምሁራዊ ሓሳቦም የቕርቡ።

እዚ በዓል ኣብ መላእ ትግራይ ብዝተፈለየ ድምቀትን ክወናን ኣሸንዳ፣ ማርያ፣ዓይኒ ዋርን ካልኦትን ብዝብሉ ስያመታት ከም ዝኽብር ዝገለፁ ዶር ዳኒኤል ተኹሉን ዶር ትካቦ ገብረስላሴን ትዉፉታትን ባህልን ህዝቢ ትግራይ ምስ ተፈጥራዊ ፅባቐን ፀጋታትን ሓቚፉ ዝሓዘ ስለዝኾነ ስነ-ልብና ህዝቢ ብሓፈሻ ስነ ልቦና ደቂ ኣነስትዮ ድማ ብፍላይ ኣብ ምሕዋይ ዘለዎ ግደ ዕዙዝ ስለ ዝኾነ ወቂቡን ደሚቑን ክሓልፍ ናይ ኩሉ ምርብራብ ከም ዘድሊ ዉን ኣስሚሮምሉ።