Home ዜና ባንኪ ዳሽን ምስ መንቀሳቐስቲ ደቀቕትን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዝ ኣብ ዘፈር ምሕደራ ፈጠራ ስራሕን...

ባንኪ ዳሽን ምስ መንቀሳቐስቲ ደቀቕትን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዝ ኣብ ዘፈር ምሕደራ ፈጠራ ስራሕን ፋይናንስን ዝጠመተ መድረኽ ኣካይዱ።

350

ብኩናት ዝተሃሰያ መፍረይቲ ትካላት ናብቲ ንቡር ስርሐን ንክምለሳ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝውግን እውን እቲ ባንኪ ገሊፁ።

ባንኪ ዳሽን ኣብ ትግራይ ዝተፈላለዩ ጨንፈራት ከፊቱ ስራሕ ካብ ዝጅምር 27 ዓመታት ከምዘቑፀረ ዝገለፁ ዳሬክተር ዲስትሪክ መቐለ እቲ ባንኪ ኣይተ ሃይለ ካሕሳይ ደቀቅትን ኣናእሽተይን ትካላት ካብ ዝበፅሓን ዕንወት ንክወፃ እቲ ባንኪ ኣድላይ ደገፍ ከምዝገብር ሓቢሮም።

ብምኽንያት እቲ ኩናት ንልዕሊ 3 ዓመታት ምንቅስቓስ ዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ ትግራይ ኣዝዩ ተሃስዩ እዩ ዝበሉ ሓላፊ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ትካላት ከተማ መቐለ ኣይተ ረዘነ ገ/ሄር ካብዚ መድረኽ ዝርከብ ተሞኩሮ ኣብ ሕውየት እተን ትካላት እጃም ኣለዎ ኢሎም።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ምስ ኣካላት ፋይናንስን መንግስትን ተሓባቢሮም ኣብ ሕዉየት  ደቀቕትን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዝ ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም።

ብምዕራፍ ገ/ፃዲቕ