Home ዜና ቤት ጽሕፈት ብዙሃነትን ርክብ ህዝብታትን

ቤት ጽሕፈት ብዙሃነትን ርክብ ህዝብታትን

518

ቤት ጽሕፈት ብዙሃነትን ርክብ ህዝብታትን

ቤት ጽሕፈት ብዙሃነትን ርክብ ህዝብታትን ትግራይ ምስ ትካላት ሃይማኖትን ኣካላት ጸጥታን ኣብ ወድዓዊ ኩነታት ህዝብና ብፍላይ ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ዘለው ወገናት ናብ መረበቶም ንክምለሱ ፣ ከም ህዝቢ ዘጋጥሙ ዘለው ዕንቅፋታት ከመይ ምብዳህ ከም ዝካኣል ኣመልኪቱ ዘተ የሳልጥ ኣሎ።

ንልዕሊ ክልተ ዓማውቲ ኣብ መኸተ ዝጸንሐ ህዝቢ ትግራይ ሐዚ እውን እንተኾነ ንከቢድ ማሕበራውን ቁጠባውን ሃሰያ ተቃሊዑ እዩ ዝርከብ ዝበሉ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብዙሃነትን ርክብ ህዝብታትን ኣይተ ካልኣዩ ኣሰፋ፣ነዚ ጸገም ንምቅላል ግደ ትካላት ሃይማኖት ዝጠልብ ብምዃኑ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ጠመተ ሂብና ክንሰርሐሉ ይግባእ ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ከምቲ ኣብ መኸተ ዘርኣዮ ዝናኣድ ተሳትፎ ፣ ሐዚ እውን እንተኾነ ውዳበታቱን ሓድነቱን ብምጥንኻር ፣ ነታ ተጀሚራ ዘላ ሃዋህው ሰላም ብምሉእነት ንምርግጋጽ ከም ቀደሙ ሓድነት ብምፍጣር ከዕውቶ ይግባእ ድማ ኢሎም ኣይተ ካልኣዩ ኣሰፋ።

ተወከልቲ ትካላት ሃይማኖት ዝተፈላለያ ዞባታትን ወረዳታትን ብግደኦም ንልዕሊ ክልተ ዓመትን መንፈቅን ብሰንኪ ዓጸባ ይሞትን ይሓምምን ዘሎ ህዝብና ንምድሓን ዝካኣለና ኩሉ ክንገብር ኢና ኢሎም።

#መርሃዊ ተስፋይ