ቤት ጽሕፈት ብዙሃነትን ርክብ ህዝብታትን
ቤት ጽሕፈት ብዙሃነትን ርክብ ህዝብታትን ትግራይ ምስ ትካላት ሃይማኖትን ኣካላት ጸጥታን ኣብ ወድዓዊ ኩነታት ህዝብና ብፍላይ ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ዘለው ወገናት ናብ መረበቶም ንክምለሱ ፣ ከም ህዝቢ ዘጋጥሙ ዘለው ዕንቅፋታት ከመይ ምብዳህ ከም ዝካኣል ኣመልኪቱ ዘተ የሳልጥ ኣሎ።
ንልዕሊ ክልተ ዓማውቲ ኣብ መኸተ ዝጸንሐ ህዝቢ ትግራይ ሐዚ እውን እንተኾነ ንከቢድ ማሕበራውን ቁጠባውን ሃሰያ ተቃሊዑ እዩ ዝርከብ ዝበሉ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብዙሃነትን ርክብ ህዝብታትን ኣይተ ካልኣዩ ኣሰፋ፣ነዚ ጸገም ንምቅላል ግደ ትካላት ሃይማኖት ዝጠልብ ብምዃኑ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ጠመተ ሂብና ክንሰርሐሉ ይግባእ ኢሎም።



ህዝቢ ትግራይ ከምቲ ኣብ መኸተ ዘርኣዮ ዝናኣድ ተሳትፎ ፣ ሐዚ እውን እንተኾነ ውዳበታቱን ሓድነቱን ብምጥንኻር ፣ ነታ ተጀሚራ ዘላ ሃዋህው ሰላም ብምሉእነት ንምርግጋጽ ከም ቀደሙ ሓድነት ብምፍጣር ከዕውቶ ይግባእ ድማ ኢሎም ኣይተ ካልኣዩ ኣሰፋ።



ተወከልቲ ትካላት ሃይማኖት ዝተፈላለያ ዞባታትን ወረዳታትን ብግደኦም ንልዕሊ ክልተ ዓመትን መንፈቅን ብሰንኪ ዓጸባ ይሞትን ይሓምምን ዘሎ ህዝብና ንምድሓን ዝካኣለና ኩሉ ክንገብር ኢና ኢሎም።
#መርሃዊ ተስፋይ